Friday , May 17 2024

ንጉስ ሽወደን ናብ ህዝቢ ሽወደን ናይ ምሕጽንታ መልእክቲ የሕልፍ።

ንጉስ ሽወደን፡ ኣባሓጎታቶም ዝስእኑ ዘለዉ ቆልዑ የተሓሳስቡኒ ብምባል ሓዘኑ ኣብ ዝገለጸሉ፣ ቫይረስ ኮሮናን ንሽወደንን መላእ ዓለምን ኣጨኒቑ ኣብ ዘለወሉ እዋን ንጉስ ካርል ጉስታቭ መበል 16 ብሰንበት ንህዝቢ ኣብ ዝፈነዎ ሓበሬታ ብምኽንይት ሕማም ኮሮና ህዝባዊ ምንቅስቓስ ምጅማሩ ምዕዛቡን ኣብ መዳይ ክንክን ጥዕና ዘለዉ ሰራሕተኛታት ብፍላይ ኲነታቶም ከም ዘተሓሳስቦን ገሊጹ።

ሽወደናውያን ኲሉ ንዓይ ጥራይ ዝብል ድሌታቶም ገቲኦም ካብ ምጒዕዝ ክቚጠቡን ብፍላይ ጥዕና ሽማግለታት ኣብ ምሕላው ኲሉ ዜጋ ሓላፍነት ከም ዘለዎን ኣዘኻኺሩ። ብፍላይ ኣቦሓጎታቶም በዚ ሕማም ዝስእኑ ዘለዉ ቆልዑ የሕዝኑኒ እዮም ዝበለ ንጉስ በይንኻትኩም ከም ዘየለኹም ግና ኲልሳዕ ከዘክረኩም እደሊ ኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com