Friday , May 17 2024

ንግዲ እምኒ ኖርሾፒንግ ቀጻሊ ናይ ድሕነት ስጒምቲታት ክወስድ ምዃኑ ይገልጽ

በዓል መዚ ኣከባቢ ስራሕ ሽወደን፡ ነቲ ሃገረ ኣውስትራልያ ኣብ ጽሩብ ኣእማን ዝገበረቶ መጽናዕቲ ይምርምር ኣሎ፡፡ እዚ መርመራ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከቡ ሰራሕቲ እምኒ ምስ ዝረአ ለበዳ ሲሊኮሲስ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። መብዛሕትኡ ግዜ እዞም ኣእማን ብዙሕ ትሕዝቶ መኣዛ ሲሊኮን ዝሓዘ ኮይኑ፡ ነቶም ነቶም ኣብ ምጽራብን ምንጻፍን እዚ እምኒ ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት ሓደገኛ ምዃኑ እዩ ዝንገር። ኣብ ኖርሾፒንግ ትካል ቢዝነስ ምጽራብ ኣእማን ማርሞር፡ ኣካያዲ ወርክሾፕ ቪክቶር ማንሰን፡ ሰራሕተኛታቶም ድሮ ማይን ፍሉያት ማሽናትን ብምጥቃም ምስቲ ሓመድ ዘለዎም ተቓላዕነት ከም ዘጉድሉ ይግበር ምህላዉ ይገልጽ። ይኹን’ምበር ሕጂ’ውን ተወሰኽቲ ናይ ድሕነት ስጉምትታት ክወስዱ መደብ ከም ዘለዎም ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com