Monday , May 20 2024
Credit: Jessica Gow/TT och Fredrik Sandberg/TT.

ን ሩስያ ስለያዊ ሓበሬታ ክእክብ ዝጸንሐ ሰብ ተኸሲሱ።

ንሩስያ ወኪሉ ኣብ ከቢድ ዘይሕጋዊ ስለያዊ ጥፈታት ተዋፊሩ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ሰብ ትማሊ ንግሆ ብወግዒ ተኸሲሱ። እዚ ኣብ
ሞስኮ እተወልደ ወዲ 60 ዓመት ሰርጌይ ስክቮርትሶቭ፡ ድርብ ዜግነት ሩስያን ሽወደንን ዝውንን ኮይኑ ንሱን በዓልቲ ቤቱን ዝሓለፈ
ዓመት ወርሒ ሕዳር እዮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም። ኣኽበርቲ ሕጊ፡ እቲ ሰብኣይ ምስ ትካል ስለያ ሩስያ ርክብ ከም ዝጸንሖ፡
ንጥፈታቱ ንሽወደንን ኣመሪካን ዒላማ ዝገበረ ምዃኑን፡ እቲ ክረኽቦ ዝፈተነ ሓበሬታ ን ቴክኖሎጂ ምክልኻል ዘጠቓልል ምዃኑን
ይገልጹ። እቲ ሰብኣይ ነቲ ገበን ኣይወዓልክዎን ክብል ናይ እምነት ክሕደት ቃሉ ሂቡ’ሎ።

 

 

Credit: Jessica Gow/TT och Fredrik Sandberg/TT.

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com