Saturday , May 18 2024
STOCKHOLM 20220210 Skolminister Lina Axelsson Kihlblom och statsminister Magdalena Andersson håller en pressträff tillsammans med angående friskolor. Foto: Jonas Ekströmer/TT/ Kod 10030

ን ኣብያተ ትምህርቲ ብሕቲ ዝግበር ምወላ ክጐድል እዩ።

መንግስቲ ሽወደን ብብሕቲ ንዝንቀሳቐሳ ኣብያተ ትምህርቲ ዝገብሮ ምወላ ከጒድሎ ድሌት ከም ዘለዎ ተገሊጹ። እዚ ምጒዳል ጨሪሱ ናብ ደው ምባል ንምኻድ ዝዓለመ ምዃኑ እውን ተመልኪቱ።

ሚኒስተር ኣብያተ ትምህርቲ ሊና ኣክሴልሰን ነዚ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ን ናይ ብሕቲን ህዝባውያንን ኣብያተ ትምህርቲ ዝግበር ምወላ ዘይምዕሩይ ኮይኑ ምጽንሑ ኣስሚራትሉ። ኣብያተ ትምህርቲ ምምሕዳር ከተማ ንዂሎም ተመሃሮ ክቕበላ ግዴታ ዘለወን ምዃኑ ነቲ ዝጸንሐ ኣሰራርሓ ዘይፍትሓዊ ዝገብሮ እዩ ኢላላ።

መንግስቲ ናብ ብብሕቲ ዝውነና ኣብያተ ትምህርቲ ዝወሃብ ምወላ ክጐድል እማመ ኣቕሪቡ እኳ እንተሎ እዚ ናብ ባይቶ ቀሪቡ ገና ኣይጸደቐን ኣሎ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com