Friday , May 17 2024

ኖርወይ፡ ምምሕዳር ጽርግያታት 14 ናይ ዕንጸይቲ ድልድላት ክዓጹ እዩ።

ምምሕዳር ህዝባዊ ጎደናታት ኖርወይ፡ 14 ናይ ዕንጸይቲ ድልድላት ክዓጹ ወሲኑ’ሎ። እዚ እናኾነ፡ ምኽንያት ምፍራስ ናይቲ ኣብ ትረተን ጥቓ ጎደና 254 ዝነበረ ናይ ዕንጸይቲ ድልድል ኣብ ምጽናዕ ከም ዝርከብ ገሊጹ’ሎ።

“ዛጊት ምኽንያት ምፍራስ እዚ ድልድል ኣይተፈልጠን ኣሎ። ሎሚ ነቲ ኲነታት ድሕሪ ምምርማር፡ ምኽንያት እዚ ምፍራስ ክሳብ እነረጋግጽ ካልኦት 14 ናይ ዕንጸይቲ ድልድላት ክንዓጹ ወሲንና ኣሎና” ክትብል ኢንግሪድ ዳል ሆውላንድ ገሊጻ’ላ።

እዚ ኣናኾነ፡ ምምሕዳር ህዝባዊ ጎደናታት ኖርወይ፡ ዘድሊ ጥንቃቐታት ክገብር ከም ዝግባእ ሚኒስተር መጓዓዝያ ኖርወይ ጆን-ኢቫር ኒጋርድ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

“ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጒዳይ ውሕሰነት ምሕላው እዩ። ኣብ ጎደናታት ኖርወይ ዝግበር ኲሉ ጒዕዞታት ውሑስ ክኸውን ኣለዎ” ኢሉ’ሎ ኒጋርድ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com