Sunday , May 19 2024

ኖርወይ፡ ምስ ሽወደን ዘራኽባ ዶብ ክትዓጹ ትዳሎ

ኮሌጅ ህዝባዊ ጥዓና ኖርወይ፡ ንሽወደናዊት ምምሕዳር ያምትላንድ ሃሪዶለን፡ ኣብ ናይ ቀይሕ ዞን ከእትዋ ንመንግስቲ ኖርወይ ምኽሩ ኣቕሪቡ። እዚ ማለት፡ እቶም ካብ ሽወደን ናብ ኖርወይ ዝኣትዉ ገያሾ፡ ውሸባ ክገብሩ ከምዘለዎም ክግደዱ እዮም ማለት እዩ። ብኻልእ ወገን፡ ምስ ሽወደን ዘራኽባ ዶብ ከም እንደገና ክትዓጽዎ እያ ክብል SVT ሓቢሩ።

ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ምምሕዳር ያምትላንድ፡ ብጫ ዞን ስለ ዝተባህለት (ማለት ውሸባ ዘየድልዮም)፡ ምስ ትሮንድላግ (Tröndelag) ዘራኽባ ዶብ ምኽፋቱ ይዝከር።

ኣብ ምምሕዳር ዮምትላንድ፡ 26 ካብ 100 ሽሕ ሰብ፡ ብኮሮና ቫይረስ ከምተለኽፉ ዝሕብር ናይ 07/09/2020 ጸብጻብ ተወኪሱ እቲ ኮሌጅ ነቲ ምኽሪ ከቕርብ ከምዝኸኣለ ሓቢሩ።

ኣቐድም ኣቢሉ፡ መንግስቲ ኖርወይ፡ ንምምኽርታት ኮሌጅ ህዝባዊ ጥዕና ተኸቲሉ ውሳኔታት ምምሕልላፉ ይዝከር። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ምኽርታት ናይዚ ኮሌጅ እንተድኣ ተኸቲሉ፡ መስርሕ ውሸባ ካብ 12/09 ክጅምር ምዃኑ ገምጋማት ይሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com