Friday , May 17 2024

ኖርወይ፡ ስደተኛታት መንእሰያት ንግብረ-ሰዶማዊ ርክባት ከም ዘይድግፉ ተገሊጹ።

ሓደ ርብዒ ካብቶም ቀዳማይን ካልኣይን ወለዶ ኣብ ኖርወይ ዝቕመጡ ስደተኛታት፡ ብዛዕባ ግብረሰዶማዊ ጾታዊ ርክብ ኣሉታዊ ርእይቶ ከም ዘለዎም፡ ሓደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።

ወለዲ እዞም ስደተኛታት መንእሰያት ዝመጹለን ሃገራት፡ ኣብዚ ጒዳይ ጽልዋ ከም ዘለዎም ተመራማሪት FAFO ኤሪካ ብራኔን ስቲሪ ገሊጻ’ላ። ወለዶም ካብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ምዕራብ ኤስያ፡ ከምኡውን ኣፍሪቃ ካብ ዝኾኑ እቶም ኣስታት 25% ዝኾኑ መንእስያት፡ “ሓደ ዓይነት ጾታ ዘለዎም ሰባት ጾታዊ ርክብ ክፍጽሙ ግቡእ ኣይኮነን” ዝብል እምነት ከም ዘለዎም፡ ኣብቲ መጽናዕቲ ተመልኪቱ’ሎ።  ኣብዚ ዳህሳስ እተሳተፉ መንእሰያት ኣብ ከባቢ 16-17 ዘለዉ እዮም ክትብል ጋዜጣ “ቫርትላንድ” ጽሒፋ’ላ። ብፍላይ ወለዶም ካብ ማእከላይ ምብራቕን ዞባ ባልካንን ዝመጹ መንእሰያት፡ ብቐደም ተኸተል ሓደ ዓይነት ጾታ ዘለዎም ሰባት ስጋዊ ርክብ ክፍጽሙ ፈጺሙ ኣይግባእን ዝብል ዝጸንከረ መትከል ከም ዘለዎም ኣብቲ መጽናዕቲ ተጠቒሱ’ሎ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com