Sunday , May 19 2024

ኖርወይ፡ ነቶም ካብ ኦረብሮን ዮምትላንድን ዝመጹ ገያሾ ውሸባ ክገብሩ ምኻኖም ሓቢራ

ካብ ጽባሕ ዓርቢ ጀሚሮም፡ እቶም ካብ ሽወደናውያን ምምሕዳራት ኦረብሮን ዮምትላንድን ዝመጹ ገያሾ፡ ናይ 10 መዓልታት ውሸባ ክገብሩ ምኻኖም ኖርወይ ምሕባራ ተፈሊጡ።

ኖርወይ ነዚ ውሳነ ክተመሓላልፍ ዝተገደደት፡ ብሰንኪ ኣብዘን ምምሕዳራት ዝረአ ዘሎ ወሰኽ መልከፍቲ ኮሮና ምኻኑ ገሊጻ። ኣብዘን ምምሕዳራት፡ 20 ካብ 100 ሽሕ ሰባት፡ ብኮሮና ዝተለኽፉ ኣለዉ ድማ ትብል።

ኖርወይ፡ ንገለ ካብ ከባቢታት ፊንላንድን ዴኒማርክን ዝመጹ በጻሕቲ ውን መስርሕ ውሸባ ከምዝግበኦም ሓቢራ።

ኣሃዱ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ነዚ ኖርወይ ዝተጠቀመትሉ ኣገባብ ኣቆጻጽራ ብዝሒ መልከፍቲ ኮሮና ከምዝነቐፈ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ፡ ለበዳ ኮሮና ብውሑድ መጠን ምስ ዝረአ፡ ዶባት ክዕጸው ማለት ድዩ ክብል ሓላፊ እቲ ኣሃዱ፡ ዮሃን ካርልሰን፡ እቲ ውሳኔ ከምዘስደመሞ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com