Friday , May 17 2024

ኖርወይ፡ ወራሲት ዓራት ልእልቲ ሜት-ማሪት ብ ኮሮና ተታሒዛ።

ወራሲት ዓራት ኖርወይ ማቴ-ማሪት ብኮሮና ከም እተለኽፈት ቤተ ንጉስ ብቀዳም ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እታ ልእልቲ ቀሊል ምልክታት እቲ ሕማም ተርኢ ምህላዋ እቲ ቤተ ንጒስ ሓቢሩ’ሎ። ወራሲት ዓራት ማቴ-ማሪት ኣብ ጥቅምቲ 2018 ሕዱር ሕማም ሳንቡእ ከም ዘለዋ ገሊጻ ምንባራ ዝዝከር ኮይኑ ሕማም ኮሮና ነዚ ዝጸንሓ ሰንኮፍ ጥዕና ከጋድዶ ከም ዝኽእል ኖርወይ ቱደይ ጸብጺባ’ላ። በዓልቤታ ወራስ ዓራት ልኡል ሃኮን ኣብ ዝሓለፈ ሰነ፡ ንጉስ ሃራልድ ኸኣ ኣብ መጋቢት 22 ኮሮና ሓሚሞም ምንባሮም እታ ማዕከን ዜና ወሲኻ ኣአኻኺራ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com