Friday , May 17 2024

ኖርወይ፡ 12% ካብ ደቀንስትዮ ተመሃሮ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ጾታዊ ርክብ ክፍጽማ ጸቕጢ ከም ዝግበረለን ተፈሊጡ።

ኣብ ኖርወይ 12% ካብ ደቀንስትዮ ተመሃሮ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ፡ ጾታዊ ርክብ ክፍጽማ ጸቕጢ ከም ዝግበረለን ሓደ ሓድሽ ዳህሳስ ኣመልኪቱ።

ብተወሳኺ 3% ደቂተባዕትዮ፡ ን መጽናዕቲ ዳህሳስ መንእሰያት ከምዚ ዝበለ ዘሕዝን ተመኲሮ ከም ዘሕለፉ ምግላጾም “ሴክስ ኦግ ፖሊቲክ” እተባህለ ማሕበር ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጹ’ሎ።

20% ደቀንስትዮን 8% ደቂ-ተባዕትዮን ብዘይድሌቶም ጾታዊ ምትንዃይ ከም እተፈጸሞም፡ እቲ ጸብጻብ ኣቐሚጡ’ሎ።

“ብደረጃ ሃገር 9.4% ካብ ደቀንስትዮ፡ 1.1% ከኣ ካብ ደቂተባዕትዮን ኣብ መላእ ህይወቶም ምድፋር ከም ዘጋጠሞም ገሊጾም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com