Friday , May 17 2024

ኡጋንዳ: ቦቢ ዋይን ክሱ የልዕል

መራሒ ተቓዋሚ ኡጋንዳ ቦቢ ዋይን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እተኣወጀ ውጽኢት ምርጫ ብምብዳህ ናብ ቤት ፍርዲ ዘቕረቦ ክሲ ስሒብዎ’ሎ ክብል ቢቢሲ ሓቢሩ።

ብናይ ስነጥበብ ስሙ ቦቢ ዋይን ዝጽዋዕ ሮበርት ቻጉላኚ ክሱ ዝሰሓበሉ ምኽንያት እቶም ደያኑ ሻራውያን ስለ ዝኾኑ እዩ ኢሉ’ሎ።

ንሱ ዓሎቕ ጎነጽን ካልእን ዘይሕጋዊ ተግባራት ስለ ዝተፈጸመ እቲ ውጽኢት ምርጫ ከይጸድቕ ን ቤትፍርዲ ኣመልኪቱ ኔሩ እዩ።

ካብ ሙዚቃ ናብ ሞያ ፖለቲካ ዝለወጠ ቦቢ ዋይን ነቲ ጒዳይ ብሰላማዊ ኣገባብ ካብ ቤትፍርዲ ናብ ህዝባዊ ፍርዲ ክወስዶ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።

ፕረሲደንት ሙሰቨኒ ብ 59% ውጽኢት ንሻድሻይ ግዜኡ ምዕዋቱ ዝዝከር እዩ።

ቅድሚ ምርጫ ኣብ ዝነበረ ግጭት 50 ሰባት ምሟቶም ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com