Friday , May 17 2024

ኢማራት ዓረብ፡ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ክትሽምግል ካቢኔ ሱዳን ከም ዝድግፍ ይገልጽ

ኣብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን፡ ኣልፋሽቓ፡ ዘሎ ናይ መሬት ምስሕሓብ፡ ካብ ቀረባ እዋናት፡ ናብ ደማዊ ግርጭት ምዕራጉ፥ ልዝብ ዓብዪ ሓጽቢ ህዳሰ ኸኣ ኣብ ደውታ ከም ዝበጽሐ ዝዝከር እዩ።

ሃገረ ኢማራት ዓረብ፡ ነዚ ኣብ መንጐ እዘን ክልተ ሃገራት ዘሎ ግርጭት ዶብን ሕቶ ሓጽቢ ህዳሰን ብዝምልከት፡ ከም ሽማግለ ክትከውን፡ መሰጋገሪ ካቢነ ሱዳን ከም ዝድግፍ ሚኒስትሪ ሓበሬታ ሱዳን፡ ሓምዛ ባሎል፡ ትማሊ ሰሉስ ገሊጹ’ሎ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣብይ ኣሕመድ፡ ምስ ሱዳን ኲናት ከም ዘይደሊን ምስሕሓብ ኣልፋሸቓ ብሰላም ክፍታሕ ዘለዎ ድሌት ትማሊ ሰሉስ ድሕሪ ምግላጹ እዩ። ሓረስቶት ኢትዮጵያ ኣብ ኣልፋሽቓ ተዋፊሮም ምንባሮም ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ ሱዳን ነቲ ቦታ ብጽሒተይ እዩ ክትብል ጺኒሓ እያ።

ኣብ ቀረባ እዋን ሱዳን ሰራዊታ ናብቲ ቦታ ሰዲዳ ገለ ቦታትት ኣብ ትሕቲ ቊጽጽራ ኣእትያ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኸኣ ነቲ ተግባር “ወራር እዩ” ብምባል ድሕሪ ምዂናኑ ኣብቲ ቦታ ደማዊ ኲናት ምውልዑ ዝዝከር እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ኣብ ውሽጣዊ ጒዳይ እታ ሃገር ከም ዝጽመድ ስለ ዝገበሮ፡ ሽግር ኣልፋሽቓ፡ ብሰላም ክፍታሕ ዝጠልብ ዘሎ ክብሉ ገለ ተንተንቲ ይገልጹ።

ንዓብዪ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት፡ ኢትዮጵያ፡ ንጸዓት ኤለትሪክን ልምዓትን ጥራይ ከም እትጥቀመሉ እያ እትገልጽ። እንተኾነ፡ ሃገራት ግብጽን ሱዳንን ንምምላእ ማይ እዚ ሓጽቢ ኣብ ህላወአን፡ ዝተኣወጀ ኲናት ገይረን ከም ዝርእይኦ ክገልጻ ጸኒሖን ኣለዋ።

ዝሓለፈ ወርሒ፡ ካርቱም፡ እማመ ርቡዓዊ ሽምግልና ኣመሪካ፥ ኣውሮጳዊ ሕብረት፣ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ምቕራባ፥ እዚ እማመ ብግብጺ ጽቡቕ ተቐባልነት እኳ እንተረኸበ ኢትዮጵያ ግን ከም ዝነጸገቶ ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com