Friday , May 17 2024
(AP Photo/Michael Gruber) XMG101

ኢራናዊ እሱራት ፖለቲካ ብምርሻኑ ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪዱ።

ሓሚድ ኑሪ ዝተባህለ ኢራናዊ ዜጋ፡ ኣብ ሃገሩ እናሃለወ እሱራት ፖለቲካ ብግፍዒ ብምርሻኑ፡ ወረዳ ስቶክሆልም ንናይ ዕድመ-ልክዕ ማእሰርቲ ከም ዝፈረዶ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። እዚ ኢራናዊ ገበነኛ፡ ኣብ 1980ታት እዩ ነዚ ገበን ፈጺምዎ። በዚ ድማ ብቕትለትን ምጥሓስ ኣህጒራዊ ሕጊን ንሕልፈት ክእሰር ተፈሪዱ’ሎ። ኣብ 1988 ኣብ ኢራን ኣብ 32 ከተማታት ክሳብ 5000 ሰባት ብጅምላ ብግፍዒ ከም እተረሸኑ ትካል “ህዩማን ራይትስ ዋች” ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ግምቱ ኣቐሚጡ ኔሩ እዩ።

ሓሚድ ኑሪ ነዚ ዝተባህለ ገበናት ኣይወዓልክዎን ክብል ናይ ክሕደት ቃሉ ሂቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com