Saturday , May 18 2024

ኢራን፡ 55 ኪሎ ግራም ዝማዕበለ ዩራንዩም ኣፍርያ

ካብ ወርሒ ጥሪ 2021 ክሳብ እዚ እዋን’ዚ፡ ኢራን፡ 55 ኪሎ ግራም ዩራንዩም ከምዘፍረየትን፡ እዚ ዝፈረየ ዩራንዩም ክሳብ 20% ዝማዕበለ ምዃኑ ሰብ መዚ ኢራን ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እዚ ብሰብ መዚ ኢራን ዝወጸ መግለጺ፡ ድሕሪ’ቲ ምስ ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝተኻየደ ዘተ ውዕል ኑክላር 2015፡ ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ። ከም ዝፍለጥ፡ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኢራንን ዝግበር ዘሎ ዘተ፡ ብመንጎኝነት ኤውሮፓዊ ሕብረት ይካየድ ምህላዉ ይፍለጥ። እቲ ዝነበረ ስምምዕ፡ ነቲ ዝፈሪ ዩራንዩም፡ ክሳብ 3.67% ክምዕብል ጥራይ ዝብል እኳ እንተነበረ፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዝነበረ፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብቲ ስምምዕ ስለዝወጸ፡ ሃገረ ኢራን፡ በቲ ስምምዕ ክትቅየድ ግዴታ ከምዘይብላ ምሕባራ ይዝከር።

ብኑክላርያዊ ስምምዕ (JCPOA) ዝፍለጥ ውዕል፡ ኣብ ዓመተ 2015 ዝተኸተመ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ እተን ብ P5 +1 ዝፍለጣ ቀወምቲ ሃገራት ባይቶ ጸጥታ ፈረንሳ፡ ቻይና፡ ብሪጣንያ፡ ሩስያ፡ ኣሜሪካን ከምኡ ውን ጀርመንን ኢራንን ዝተኸተመ ውዕል ምንባሩ ይዝከር።

ኑክላርያዊ ስምምዕ ዝበሃል ውዕል፡ ሃገረ ኢራን፡ ዩራንዩም ንኸይተማዕብል ዝኽልክል ኮይኑ ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እቲ ኣብ ሃገረ ኢራን ዘሎ ስርዓት፡ ካብ ኣህጉራዊ እገዳታት ነጻ ክኸውን ዘኽእሎ ስምምዕ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com