Sunday , May 19 2024
This photo provided by AZ Films shows California based Iranian pop singer Sasy with American adult film actress Alexis Texas in the music video for "Tehran Tokyo." on Feb 26, 2021 in Los Angeles. Iranian authorities have arrested multiple music producers connected to the California-based Iranian pop singer, his management company and Iranian media said Thursday, March 11, in Tehran’s latest effort to halt what it deems decadent Western behavior. (AZ Films via AP) CAIDK602

ኢራን: ስነምግባር ዝጎደሎ ሙዚቃዊ ቪድዮ ሰሪሖን ንዝበለቶም ትኣስር

ኢራን: ምስ ኣብ ካሊፎርኒያ ዝመደብሩ ኢራናዊ ሙዚቀኛ ምትእስሳር ዘለዎም ብርክት ዝበሉ ኣፍረይቲ ሙዚቃ ብሓሙስ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታዋ ተገሊጹ። ኢራን ምዕራባዊ ብልሽውና የተኣታቱ እዩ ንእትብሎ ሙዚቃዊ ቪድዮ ናይ ምእጋድ ልሙድ ኣሰራርሓ ከም ዘለዋ ዝፍለጥ እዩ።

እዛ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተራእየት ሙዚቃዊት ቪድዮ ደራፋይ ሳሳን ሓይደሪ ያፍተሕ ምስ ቅርጺ ኣካላተን ዘርኢ ጥብቕ ዝበለን ሓጺርን ክዳን ዝወደያ ደቀንስትዮ እናሳዕስዐ እያ ተሰሪሓ። ኣብ ሰሙን ጥራይ ክሳብ 8 ሚልዮን ሰባት ከም ዝረኣይዋ ተፈሊጡ።

እዚ ብፍልጥቲ ተዋሳኢት ፖርኖግራፊ ዝስነ ደራፋይ ብፍላይ ብመንግስቲ ኢራን ቀይዲ በተኽ ዝበሃሉ ዓይነት ሕትማታት ብምድራስ ዝፍለጥ ኮይኑ ኮተቴ ድቃስ እንተኣብይዎም መስተ ክሰትዩን ኣብ ክንዲ ዕዮ ገዛኦም ዝውድኡ ናብ ኢንስታግርማ ገጾም ዘወር ክብሉ እተተባብዕ ደርፊ ፈንዩ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ።

ኣብ ሚድያ ልዑል ክትትል ስነምግባር እተካይድ ኢራን ነዞም ኣብ ከተማ ሺራዝ ዝርከቡ ስቱድዮታት ብምውራር እቶም ኣፍረይቲን ኣከፋፈልቲን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክውዕሉ ጌራላ። ክልቲኦም ኣፍረይቲ እዛ ሙዚቃ ሞሕሰንን ቤሕሩዝን ብ ገበን ተኸሲሶም ክፍረዱ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብዛ ቪድዮ ብዙሕ መዘራረቢ ዛዕባ ዝኾነ ካልእ ጒዳይ ካብተን ተላሃይቲ ሓንቲ ኣብ ጽዩፍ ስእሊ (ፖርኖግራፊ) እትዋፈር ኣሌክሲስ ቴክሳስ እተባህለት ሰብ ምህላዋ እዩ። እዛ ሰብ ብሞያ ተላሃዪት ኣይኮነትን፥ እዚ ደራፋይ ስለምንታይ ኣብዚ ክሊፕ ክትኣቱ ጌርዋ ንጹር ኣይኮነን፥ ከምዚ ዝበለ ቪድዮ ምስ ባህልና ዝሳነ ኣይኮነን ክብሉ ብኸፊል ወግዓዊ ዝኾኑ ሰብመዚ ዜና ገሊጾም ኣለዉ። ኣፍረይቲ እዚ ሙዚቃ ኣብ ኢራን መርብብ ጸወታ ቊማር ክተኣታቶ ጌሮም እዮም ብምባል ከም ዝኽሰሱ እውን ተሓቢሩ።

ተጻዋቲ ራፕ ዝኾነ ሳሲ ካብ 2009 ንደሓር ኣብ ኣመሪካ ከም ዝቕመጥ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com