Sunday , May 19 2024

ኢቫ ኖርድማርክ፡ ትጽቢታት ሓደስቲ መጻእቲ፡ ክብ ከምዝብል ክንገብር ኢና

ሓደስቲ መጻእቲ ናብ ሽወደን፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት፡ ስራሕ ክረኽቡ ንኽኽእሉ ምእንቲ፡ ሽወደናዊ ህዝባዊ ኣገልግሎት ስራሕ (ኣርቤትስፎርሜድሊንየን)፡ “ሓደ ዓመት ብጻዕቂ” ዝብል ሓድሽ መደብ ኣተኣታትዩ ከምዘሎ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እቶም ናብ ሽወደን ዝመጹ ሓደስቲ ኣጋይሽ፡ ስራሕ ናይ ምርካብ ትጽቢታቶም ክብ ከምዝብል ክንገብር ኢና ክትብል ሚኒስተር ዕዮ ሽወደን፡ ኢቫ ኖርድማርክ፡ ሓቢራ።

መደብ “ ሓደ ዓመት ብጻዕቂ”፡ ካብ ዕለት 15 ሚያዝያ ክጅመር እዩ። ዕላምኡ ድማ፡ ተሳተፍቲ (ሓደስቲ መጻእቲ)፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት፡ ቋንቋን ምስ ስራሕ ዝምድና ዘለዎም ዓውድታት ንምልላይ ምጽዓር ኮይኑ፡ ናብ ዕዳጋታት ስራሕ ናይ ምእታው ዘሎ ግዜ ንምሕጻር እዩ።  

እቶም ናብ ሽወደን ዝመጹ ኣጋይሽ፡ ነፍሲ ወከፎም ብልጫታት ክህልዎም ዝኽእሉ ኮይኖም፡ ገሊኦም ናብ ዕዳጋታት ስራሕ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክጽንበሩ ዝኽእሉ ክኾኑ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ዝነወሐ እዋን ዝወስዱ እዩም። እዚ ተታሒዙ ዘሎ መደብ፡ ነቶም ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት፡ ስራሕ ክረኽቡ ዝኽእሉ ኣጋይሽ እዩ ክትብል፡ ሚኒስተር ኖርድማርክ፡ ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com