Friday , May 17 2024
POOL New/TT

ኢትዮጵያ. . . ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ኤርትራ ንትግራይ ምእታዉ ተኣሚኑ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፡ ንመጀመርያ እዋን፡ ሰራዊት ኤርትራ ንትግራይ ምእታዉ ተኣሚኑ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ክልቲኣተን መንግስታት፡ ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ጥሒሱ ናብ ትግራይ ምእታዉ ክኽሕዳ ምጽንሐን ይፍለጥ። ንመንግስቲ ኤርትራ፡ ስለምንታይ ናብ መሬት ኢትዮጵያ ክኣቱ ክኢሉ ዝብል ሕቶ ምስ ኣቕረብናሉ፡ እቲ ዶባት ብዘይ ሓላዊ ብምትራፉ፡ ሰራዊት ትግራይ ከየጥቃዓንን ከይወረንን ብምባል ናብ ትግራይ ክኣቱ ተገዲዱ ክብል፡ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብይ ኣሕመድ፡ ንኣባላት ፓርላማ እታ ሃገር መግለጺ ሂቡ።

ብመሰረት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ኲናት፡ ኣባላት ህወሓት፡ ንወተሃደራዊ ካምፖ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ምስ ኣጥቅዐ እዩ ተጀሚሩ።

ዝሓለፈ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ብሰንኪ ዝተኻየደ ኲናት ኣማኢት ኣሽሓት ትግራዎት፡ ካብ መነባብሮኦም ምፍንቓሎም ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር፡ ምሉእ ዓወትን ምውዳእ ኲናትን እኳ እንተኣወጀ፡ ዛጊት ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ትግራይ ኲናት ይቕጽል ምህላዉ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ። ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣክሱም ኣማኢት ዘይተዓጥቁ ሲቪላውያን ብግፍዒ ምቕታሉን ገዚፍ ራስያ፥ ምዕናው ኢንዱስትርያዊ ትካላትን ንብረት ሲቪላውያንን ከም ዝፈጸመ መሰኻኽር ይነግሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣብይ ኣሕመድ፡ ብዛዕባቲ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዝፈጸሞ ዝተፈላለየ ገበናት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ከም ዝተዘራረበን ናብ ትግራይ ድሕሪ ምስጋሩ ዝፈጸሞ ገበናት ብዝምልከት፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ ክብል፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ከምዝመለሰ ንኣጃንስ ፍራንዝ ፕረስ ብምጥቃስ ቢቢሲ ሓቢሩ’ሎ።

ህወሓት ዝህቦ ዝተጋነነ ኣሃዛት ብዘየገድስ ዝኾነ ደቀንስትዮ ዝደፈረን ግፍዒ ዝፈጸመን ኣባል ሰራዊት ኢትዮጵያ ተሓታቲ ክኸውን እዩ ኢሉ።

ህላዌ ሰራዊት ኤርትራ ብብዙሓት ማዕከናት ዜናታት ቃልዕ ተጌሩ ዘየጠራጥር ምስ ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ነዚ ሓቂ ምሕባእ ትርጒም ኣልቦ እዩ ብምባል እዩ ኣብ ምእማን በጺሑ ክብሉ ተንተንቲ ይገልጹ ኣለዉ። ንሱ “ሃገርኩም ምስ ኣረጋጋእኩም ካብቲ ቦታ ለቒቕና ክንወጽእ ኢና ኢሎምና እዮም” ክብል ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።

ኣብይ ኣቐድም ኣቢሉ ንፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብቲ ንሱ “ሕጊ ናይ ምኽባር” ኢሉ ዝሰመዮ ወፍሪ ሓደ’ውን ሲቪል ኣይተቐትለን ኢሉ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ ኣብዚ ናይ ሎሚ መግለጺኡ፡ ግፍዕን ምድፋር ደቀንስትዮን ከም ዝተፈጸ ኣሚኑ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com