Sunday , May 19 2024
A man is vaccinated against COVID-19 (AP Photo/Tatan Syuflana) XJAK102

ኢንዶኔዥያ፡ ቀዳመይቲ ንክታበት ኖቫቫክስ፡ ዘፍቀደት ሃገር ኮይና

ሃገረ ኢንዶኔዥያ፡ እታ ኣብ ዓለም፡ ቀዳመይቲ ንጸረ ኮቪድ-19 ዝኾነ ክታበት ኖቫቫክስ ከም ናይ ህጹጽ እዋን ክታበት ክኾና ዘፍቀደት ሃገር ኮይና ከምዘላ፡ ነቲ ክታበት ዘፍሪ ኩባንያ ኣቃሊሑ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እቲ ክታበት ኣብ ክልተ እብረ ዝወሃብ ኮይኑ፡ ካብ ፕሮቲን ዝተመስረሐ እዩ። ከምቲ ናይ ካልኦት ክታበታት ባህርያት ዘይብሉ ኮይኑ፡ ኣብ ኣዝዩ ትሑት ሙቐት ዝኽዘን ኣይኮነን። እዚ ባህርያት፡ ናብ ድኻታት ሃገራት ብቐሊሉ ክበጽሕ ዘኽእሎ ባህርያት ከምዝኾነ ተገሊጹ።

ሃገረ ኢንዶኔዥያ፡ ነዚ ክታበት፡ ከም ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ክታበት ክትጥቀመሉ ምኽኣላ፡ ኣብ መደባት ክታበት’ታ ሃገር፡ ዓቢ ኣገዳስነት ከምዘለዎ ተገሊጹ።

ኣሜሪካዊ ክታበት ኖቫቫክስ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ክሳብ 90% ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዘለዎ፡ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ክታበት ኖቫቫክስ፡ ካብ በዓል መዚ መድሃኒት ኤውሮፓዊ ሕብረት ተቐባልነት ንምርካብ ሓቲቱ፡ መልሲ ይጽበ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኤውሮፓዊ ሕብረትን ሽወደንን፡ ኣቐዲመን ናይ ዕድጊ ውዕል ተፈራሪመን ከምዘለዋ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com