Sunday , May 19 2024

ኢደ ጽሑፋትን ስእልታትን ደራሲ ፍራንዝ ካፍካ: ኦንላይን ይዝርግሑ

እኩባት ኢደ ጽሑፍን ናይ ስእሊ ንድፊታትን ናይ ደራሲ ፍራንዝ ካፍካ፡ ሰፊሕ ናይ ስነዳ ስራሕ ምስ ተኻዪዱሎም፡ ብኦንላይን ንህዝቢ ከም እተዘርግሑ ተገሊጹ። እዚ ብድጂታላዊ ኣገባብ ዝተኣከበ ሰልስተ ንድፊታት ኢደ ጽሑፍ ድርሰታት፡ ካፍካ፡ ከምኡውን ንመርዓ እንክዳሎ ብኢድ ዝዳለዎም ጽሑፋት፡ ኣብ ቋንቋ እብራይስጢ ዝገበሮ መጽናዕቲ ከምእውን ዝተጸሓሓፎም ውልቃውያን ደብዳቤታት ኣብዚ እኩብ ቀሪቦም ኣለዉ።

ካፍካ፡ ኣብ 1929 ምስ ሞተ፡ ኩሎም ዋንነት ካፍካ ዝኾኑ ሰነዳት፡ ብእሙን ዓርኩ ዝነበረ፡ ተዓቂቦም ድሕሪ ምጽነሖም፡ ናብ ቤተመዘክር እስራኤል ከም እተረከቡ ዝፍለጥ እዩ።

ካፍካ፡ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ህቡባት ዘመናውያን ደረስቲ ኮይኑ፡ ኣብ መበል 41 ዓመቱ ከም ዝሞተ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com