ስርዓተ ክፍሊት ጥሮታ ሽወደን ሓደ ካብቶም ዝበለጹ 5 ስርዓታት ዓለምና ከምዝኾነን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ደረጃ B (ጥዑይ ትሕተ ቕርጽን ብልጫታት ዘለዎ ደረጃ) ተሰሪዑ ዘሎ ኮይኑ ንደረጃ A ከምሓይሾ ዝኽእል ብልጫታት ዘለዎ ስርዓት ምዃኑ ተሓቢሩ። ስርዓተ ክፍሊት ጥሮታ ሽወደን፡ ድሕሪ ስርዓታት ሆላንድ፡ ደኒማርክ፡ ኣውስትራልያን ፊንላንድን ተኸቲሉ ኣብ መበል 5ይ ደረጃ ተሰሪዑ ከም ዝርከብ ዓለማዊ ስታቲካዊ ሓበሬታ ሜልቦርን ሜርሰር ገሊጹ። ሆላንድን ደኒማርክን እተን ካብተን ኣብቲ መለክዒ ተጠቒሰን ዘለዋ 37 ሃገራት ናይ ደረጃ A መዓርግ ዝረኸባ እየን።
ነፍሲ ወከፍ ሃገር ድማ ልዕሊ 80 ነጥብታት ብመለክዒ ናይ ሜልቦርን ሜርሰር ዝረኸባ እየን። ሽወደን ካብቲ ኣብ ዓመተ 2018 ዘመዝገበቶ ነጥቢ፡72.5፡ ጎዲላ 72.3 ነጥቢ ኣዋህሊላ ትርከብ። ነዚ ዘስዓቦ እቲ ሓድሽ መምርሒታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኢኮኖምያዊ ዝሕታለን ከምዝኾነ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።
እቲ ናይ መለክዒ ነጥብታት ኣብ ሰለስተ ጨናፍር ዝተሞርከሰ እዩ፡
• ዕዳኻ ንምኽፋል ክእለት ምህላው
• ቀጻልነት ዘለዎ
• መንግስታዊ ምሉእነት ብመሰረት ጸብጻብ፡ ስርዓተ ክፍሊት ጥሮታ ሽወደን ብኸምዚ ኣገባብ ክመሓየሽ ይኽእል፦
• ናይ ጥሮታ ዕድመ ክውሰኽን እቶም ሰራሕተኛታት ኣብ መደባት ናይ ኣስራሕቶም ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ
• እቶም ሰራሕተኛታት ናይቲ ብውልቆም ዝሰርሕዎ ግብሪ ናይ መተባብዒ ክፍሊታት ክኸፍሉ