Sunday , May 19 2024

ኣህጒራዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት (ICC)፡ ኣብ ጒዳይ “ተርሚኔተር” ውሳነ ክህብ እዩ።

መራሒ ዕጡቕ ተቓዋሚ ጉጅለ ዲ/ሪ/ኮንጎ ነበር፡ ቦስኮ ንታጋንዳ፡ ብገበን ኲናት ተፈሪዱ ድሕሪ ዘቕረቦ ናይ ይግባይ ጥርዓን፡ ሎሚ ሰሉስ፡ ውሳነ ክወሃቦ ምዃኑ ተፈሊጡ።

እዚ ብ “ተርሚኔተር” ዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ኣዛዚ፡ ብቅትለት 18 ሰባት፥ ጾታዊ ምድፋርን ቆልዑ ወተሃደራት ብምኽታብን ተኸሲሱ ኣብ 2019 ናይ 30 ዓመት ፍርዲ ከም እተበየነሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ጾታዊ ባርነት ብምጥቃም እተኸሰ ናይ መጀምርያ ሰብ ምዃኑ እውን ተገሊጹ’ሎ።

ንሱ ኣብታ ብሃብቲ ማዕድናት እትፍለጥ፡ ዞባ ኢቱሪ፡ ኣብ ዓመተ 2002 ክሳብ 2003 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ነዚ ገበናት ከም ዝፈጸሞ እዩ ዝኽሰስ።

ኣኽባር ሕጊ፡ ትርር ዝበለ መቕጻዕቲ ክብየነሉ ሓቲቱ ምህላዉ ድማ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com