Friday , May 17 2024
En sjuksköterska förbereder vaccin från Pfizer för vaccinering. Foto: Fredrik Sandberg / TT kod 10080

ኣሉታዊ ጽልዋታት ድሕረ ክታበት ኮቪድ-19

ኣብ ሽወደን፡ ኣስታት 4 ሽሕ ሰባት፡ ጽልዋታት ድሕረ ክታበት ኮቪድ-19 ኣጋጢምዎም ክኸውን ከምዝኽእል ጥርጣረታት ኣሎ ክብል በዓል መዚ ውጽኢት መድሃኒት ሽወደን ንሬድዮ ኢኮት ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ልዕሊ 70% ካብ ጠቕላላ ቁጽሪ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሽወደናውያን፡ እንተወሓደ፡ ሓደ እብረ ክታበት ኮቪድ-19 ዝተኸትቡ ክኾኑ እንከለዉ፡ 5.8 ሚልዮን እዩ። ካብዞም ዝተኸትቡ ሰባት፡ 55 ሽሕ፡ ጽልዋታት ድሕረ ክታበት ክረኣዮም እንከሎ፡ ካብዚኣቶም ድማ 4 ሽሕ ሰባት ክብድ ዝበለ ጽልዋታት ኣጋጢምዎም ኣሎ።

ክታበት ኮቪድ-19 ተኸቲቦም ብድሕሪኡ ዝሞቱ 260 ሰባት ክህልዉ እንከለዉ፡ ጠንቂ ሞቶም ግን ምስ ክታበት ዝተሓሓዝ ከምዝኾነ ዝተረኽቡ መርትዖታት ከምዘየለዉ ተገሊጹ።

እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ መጠን ብዝሒ ኣሉታዊ ጽልዋታት ዘጋጠሞም ሰባት፡ ምስቲ ብዝሒ ዝተኸትቡ ሰባት ክነጻጸር እንከሎ፡ ብጣዕሚ ትሑት ምዃኑ፡ እቲ በዓል መዚ፡ ኣዘኻኺሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com