Sunday , May 19 2024

ኣመሪካን ሩስያን ብጒዳይ ዩክሬይን ክዘራረባ ተሰማሚዐን

ሩስያ፡ ኣብ ዶብ ሃገረ ዩክሬይን እትገብሮ ዘላ ምጽጋዕ ገዚፍ ሰራዊት፡ ኣመልኪተን ኣመሪካን ሩስያን ቅድሚ ክኣቱ ሒደት መዓልታት ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ ሓድሽ ዓመት ክዘራረባ ምዃነን ሰብመዚ ኣመሪካ ገሊጾም።

ፕረዚደንት ፑቲን እውን ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ጀነቫ ክራኸቡ ተስፋ ከም ዘለዎ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ። መራሒ ሩስያ፡ ቭላድሚር ፑቲን፡ ቀጻልነት ሓይልታት ኪዳን ኣትላንቲክ (Nato) ነዚ ቅልውላው ኣብ ምብታን ክምርኮስ ህጹጽ ውሕስነት ክወሃቦ ጠሊቡ’ሎ። “እታ ኲዕሶ ኣብ ሜዳኦም እያ ዘላ፥ መልሲ ክህቡና ንጽበ ኢና ዘሎና” ክብል ፑቲን ኣብ ዝሃቦ ዓመታዊ ጋዜጣዊ መገለጺ ኣመልኪቱ። ንሱ ንዩክሬይን ክወርር ምንም ውጥን ከም ዘይብሉ እኳ እንተገለጸ ካልእ ወተሃደራዊ ስጒምቲ ንምውሳድ ቊሩብ ምህላዉ ግና ኣጠንቂቑ’ሎ።

ሩስያ ናብ ዶብ ዩክሬይን 100 ሽሕ ወተሃደራታ ኣጸጊዓ ምህላዋ ሰብመዚ ጸጥታ ዩክሬይን ኣብ ዝገልጽሉ ዘለዉ እዋን፡ ኣመሪካ፡ ዩክሬይን እንድሕር ተጠቒዓ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተራእዩ ዘይፈልጥ እገዳ ክትጽዕን ከም እትኽእል ትገልጽ ኣላ።

እዚ እናኾነ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ንዘቐመጦም ቀንዲ ጠለባት፡ መልሲ ክህቡ ከም ዘይደልዩ ላዕለዎት ሰብመዚ ዋይት ሃውስ ሓቢሮም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com