Saturday , May 18 2024
German Chancellor Angela Merkel smiles as President Joe Biden speaks during a news conference in the East Room of the White House in Washington, Thursday, July 15, 2021. (AP Photo/Susan Walsh) DCSW305

ኣመሪካን ጀርመንን ንተጻብኦ ሩስያ ብሓባር ክምክታ ተሰማሚዐን

ቻንስለር ጀርመን፡ ኣንገላ መርከል፡ ንዋሺንግተን ኣብ እትበጽሓሉ ዘላ እዋን፡ ፕረሲደንት ጆ ባይደን፡ ክልቲአን ሃገራት ንተጻብኦ ሩስያ ብሓባር ክምክታ እየን ምባሉ ተገሊጹ።

ኣንገላ መርከል ብወገና፡ ሩስያ፡ ነቲ ካብ ሞስኮ ናብ ጀርመን ዝዝርጋሕ ምንጪ ጸዓት ጋዝ፡ ከም መሳርሒ ኲናት ክትጥቀመሉ ክንፈቅድ የብልናን ክትብል ገሊጻ’ላ።

ብዘይካ’ዚ፡ ክልቲአን ሃገራት፡ ንዘይ ዲሞክራስያዊ ተግባራት ቻይና ከም ዝዂንና ገሊጸን ኣለዋ። “ብወገን ምብራቕ ዝርከብ መሻርኽትና ክንፊ ኔቶ ካብ ተጻብኦ ሩስያ ንምሕላው መኸተና ክንቅጽሎ ኢና” ክብል ጆ ባይደን ምስ መርከል ብምዃን ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣረዲኦም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com