Friday , May 17 2024
FILE - In this Sept. 23, 2009 photo, DMX arrives at the 2009 VH1 Hip Hop Honors at the Brooklyn Academy of Music, in New York. DMX has been arrested in New York Thursday, July 13, 2017, on federal tax fraud charges. Prosecutors say the rapper, whose given name is Earl Simmons, owes $1.7 million in taxes and has engaged in a multi-year scheme to conceal millions of dollars of income from the Internal Revenue Service. (AP Photo/Peter Kramer, File)

ኣመሪካዊ ደራፋይ ራፕን ተዋሳኣይን DMX ዓሪፉ

ህቡብ ኣመሪካዊ ተጻዋታይ ራፕ ከምኡውን ተዋሳኣይ DMX ብሕማም ልቢ ኣብ መበል 50 ዓመቱ ዓሪፉ። እዚ ኮኾብ ናይ ሂፕሃፕ ኣርቲስት ከምኒ ራፍ ራይደርስ፥ ኣንተምን ፓርቲ ኣፕን ዝበላ ስርሓት ዘበርከተን ተሸላሚ ግራሚ ዝኾነ በዓል ብርቂ ድምጺ እዩ ኔሩ ክብል ዩሮ ኒውስ ሓቢሩ’ሎ።

ሓቀኛ ስሙ አርል ሲሞንስ ዝኾነ DMX ብ ላይፍ ሳፓርት ተሓጊዙ ንብርክት ዝበላ መዓልታት እኳ ብህይወት እንተጸንሐ ክሰርር ኣይከኣለን። ኣብ ዋይት ፕሌይንስ ሆስፒታል ኒውዮርክ ጽቡቕ ዜና ክሰምዑ ዝጽበዩ ዝነበሩ ኣዝማዱን ፈተውቱን ድማ ብሓዘን ተረኽሚሾም ኣለዉ።

ዛጊት ብርክት ዝበሉ ስነጥበባውያንን ኣድነቕቱን ነዚ ኣርቲስት ዘለዎም ኣድናቖትን ሓዘንን ኣብ ምግላጽ ይርከቡ። በዚ ዜና ኣመና ከም ዝሓዘነ ዝገለጸ ሻምፒዮን ፎርሙላ ዋን ልዊስ ሃሚልተን “ኣነ ሙዚቃ እዚ ሰብ እናሰማዕኩ እየ ዓብየ። ቃላቱ ከም ህጻን መጠን ሞራል ክገብርን ኣሸገርቲ እዋናት ክሓልፍን ጌሮምኒ እዮም። ብሞቱ ኣዝየ እሓዝን፥ ድማ ኣዝየ ከመስግኖ እደሊ” ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ካልእ ኣድናቒኡ ድማ “ሙዚቃኡ እናሰማዕኩ እየ ዓብየ። ንወንቸስተር ስለ ዝውክለለይ ንኣይ ኣገዳሲ ሰብ እዩ ኔሩ። ኣኽብሮተይ ንምግላጽ እየ ዝጽሕፍ ዘለኹ” ኢሉ።

ብዘይካ ናይ ሙዚቃ ስርሓቱ DMX ኣብ ቤሊ፥ ሮመዮ ማስት ዳይ ዝብላ ህቡባት ፊልምታት እውን ተዋሲኡ እዩ።

DMX ክሲን ማእሰርቲን ዘይፍለዮ ሰብ እዩ ኔሩ። ብዘይካዚ ብወልፊ ዕጸፋርስ ይሳቐ ምንባሩ ይዝረበሉ።

“DMX ጅግና ስነጥበባዊ እዩ ኔሩ። ስርሓቱ ኣሽሓት ኣድነቕቲ ኣነቓቒሖምን ንዝበለጸ ህይወት ኣበጊሶምን እዮም። በዚ ድማ ንዘለኣለም ክዝከር እዩ” ክብሉ ስድራቤቱ ገሊጾም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com