Friday , May 17 2024

ኣመሪካዊ ዶክተር፡ ሽወደን ኣብ ኲናት ብዛዕባ ክንክን ስንባደ ብዙሕ ክትመሃሮ ኣለዋ።

Credit: Mstyslav Chernov/AP

ሽወደን ካብቲ ኣብ ግንባር ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ክንክን ጭንቀት ኲናት ብዙሕ ክትመሃር ከም እትኽእል ተገሊጹ። ነዚ ዝገለጸ ጥቓ ዶኔትስክ ኣብ ትሕቲ ቀጻሊ ኲናት ዘውርዶ ዕንወት ኣብ ዝዓዪ ክሊኒክ ዝሰርሕ ኣሜሪካዊ ዶክተር እዩ። ንሱን መሳርሕቱን ኣብ ጽንኩር ኩነታት፥ ሕክምናዊ ናውቲ ኣብ ዝሰኣነሉ ኣሸጋሪ ኲነታት ክሰርሑ ከም ዝግደዱ፡ እዚ ድማ ኣይግበሮ እምበር ኣብ ሽወደን ኲናት እንተተኸሲቱ ከጋጥም ንዝኽእል ኲነታት ን ሰብ ሕክምና ሽወደን ዓብዪ ምህሮ ክህብ ይኽእል እዩ ክብል እዚ ኣመሪካዊ ዶክተር ገሊጹ’ሎ። እቶም ሓካይም ኣብ ዝኾነ እዋን ብሚሳይል ክንውቃዕ ንኽእል ኢና ኣብ ትሕቲ ዝብል ስግኣት ከም ዝዓዩ አረ “ንህይወት ካብ ደቒቕ ናብ ደቒቕ ምንባር” ከም እተለማመዱ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com