Sunday , May 19 2024

ኣመሪካ፡ ንቕትለት ካሾግጂ ዝምልከት ጸብጻብ ክተቕርብ ምዃና ሓቢራ

ኣመሪካ፡ ጸብጻብ መርመራ ናይቲ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ዝተቐትለ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ኻሾግጂ ክተቕርብ ምዃና ሓቢራ። እዚ ሰነድ፡ ንወራስ ዓራት ስዑዲ፡ መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ዝውንጅል ክኸውን እዩ ዝብል ትጽቢት ሰፊኑ ምህላዉ ቢቢሲ ሓቢራ።

ፕረሲደንት ጆ ባይደን፡ ነቲ ጸብጻብ ከም ዘንበቦን ንንጉስ ስዑዲ ዓረብ ከዘራርቦ ምዃኑን እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ። ባይደን ነቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ ፈጢራቶ ዝጸንሐት ልዕሊ ዓቐን ጥቡቕ ዝምድና፡ ቦትኡ ከትሕዞ ከም ዝደሊ እዩ ዝግለጽ።

ኻሾግጂ፡ ኣብ ኢስታንቡል፡ ቱርኪ፡ ኣብ ዝርከብ ህንጻ ቆንስል ስዑዲ ዓረብ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ከም እተቐትለ ዝዝከር እዩ። ንሱ፡ ንሰበ-ስልጣን ስዑዲ ዓረብ ይነቅፍ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ ንኽምርዖ ዘድልይዎ ሰነዳት ንኽወስድ ናብቲ ኣብ ኢስታንቡል ዝርከብ ቈንስል ስዑዲ ዓረብ ምስ ከደ ከም ዝተቐትለ ይዝከር። ሰብመዚ ስዑዲ ዓረብ፡ ሞትን ማሕረድትን ኻሾግጂ፡ በቶም ናብ ሃገሩ ክመልስዎ ዝደልዩ ጒሒላታት ዝተፈጸመ ስርሒት እዩ ብምባል ይገልጹ።

ሓሙሽተ ሰባት ብቕትለት ኻሾግጂ፡ ንሞት ተፈሪዶም እኳ እንተነበሩ፡ እዚ ፍርዲ ኣብ መስከረም 2020 ናብ ናይ 20 ዓመት ማእሰርቲ ከም እተለወጠሎም እቲ ናይ ቢቢሲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ኣመሪካ፡ ሓሙስ ክትፍንዎ እያ ዝበሃል ዘሎ ጸብጻብ፡ ኣቀታትላ ኻሾግጂ ብትእዛዝ ወይ ምሉእ ፍቓድ ወራስ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማን ዝተፈጸመ እዩ ዝብል ሓበሬታ ከምዝርከቦ ኣርባዕተ ካብ ሰብመዚ ኣመሪካ ንሮይተርስ ገሊጾም ኣለዉ። እዚ ጸብጻብ ብማእከል ስለያ ኣመሪካ–CIA ከም ዝተዳለወ ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com