Sunday , May 19 2024

ኣመሪካ፡ ኣብ ቤት መቕደስ ተዓቚቡ ዝነበረ መንእሰይ ንግዳም ወጺኡ

ናብ ሃገሩ ከይስጎግ ብምባል ን3 ዓመትን መንፈቕን ኣብ ቤት መቕደስ ሚዙሪ ተዓቚቡ ዝጸንሐ ሆንዱራሳዊ ስደተኛ ካብቲ ቤተክርስትያን ወጺኡ’ሎ። እዚ ኣሌክስ ጋርሲያ ዝስሙ መንእሰይ፡ ነቲ ምምሕዳር ባይደን፡ ዝሃቦ ቃል ተኸቲሉ እዩ ብረቡዕ ንግዳም ወጺኡ ዘሎ። ምርዑውን ኣቦ ሓሙሽተ ቘልዑን ዝኾነ ጋርሲያ፡ ኣብ እዋን ምምራቕ ምምሕዳር ትራምፕ 2017 እዩ ናብ ኣመሪካ ኣትዩ። እንተኾነ ግን ትራምፕ ብዝተኸተሎ ትርር ዝበለ ጸረ ስደተኛታት ፖሊሲ፡ ናብ ሃገሩ ከይስጎግ ብምፍራህ ናብቲ ኣብ ሚዙሪ ዝርከብ፡ ዩናይትድ ቸርች ኦቭ ክራይስት፡ ዝተባህለ ቤተክርስትያን ዕቚባ ምሕታቱ ተረጋጊጹ። ንሱ ካብቲ ተዓቚቡሉ ዝነበረ ቤተክርስትያን ክወጽእ ዝወሰነሉ ምኽንያት፡ በዓል መዚ ምኽባር ሕጊ ቀረጽን ስደተኛታትን ሚዙሪ፡ ክሰጐ ይኹን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከእትዎ ድሌት ከም ዘይብሉ ምስ ኣረጋገጸሉ እዩ ክትብል፡ ሓላፊት ኮሚተ በይነ ሃይማኖታት፡ ሳራ ሉዊ፡ ትገልጽ። ጋርስያ፡ ካብ ስድርኡ ተፈልዩ፡ 1252 መዓልታት ምሕላፉን ካብቲ ቤተክርስትያን ኣብ ዝወጻሉ ግዜ 100 ዝኾኑ ፈተወቱን ኣባላት ስድራቤቱን ብታሕጓስ ከም እተቐበልዎ ገሊጹ። እቲ ስራሕ ጀሚሩ እምበር ኣይተወድአን፡ ነኽባሪ ሕጊ ረኺበ፡ ንጡፍ ኣባል ማሕብረሰብና ክሳብ ዝኸውን ቃልሰይ ክቕጽሎ እየ ክብል ጋርስያ ምግላጹ፡ ድምጺ ኣመሪካ ሓቢራ። ኣብ ቸርች ወርልድ ሰርቪስ፡ ኣወሃሃዲት ውደባ ዝኾነት ሚርና ኦሮዝኮ ብወገና፡ ኣብ መላእ ኣመሪካ፡ 33 ስደተኛታት ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ተዓቚቦም ምንባሮምን እዚ ድማ በብግዜኡ እናጐደለ ይመጽእ ምህላዉን ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com