Friday , May 17 2024

ኣመሪካ ምስ ፍልስጤም ዘለዋ ዝምድና ክትጽግኖ ከም እትደሊ ትገልጽ

ኣመሪካ ኣብ የሩሳሌም ቆንስላ ብምኽፋት፡ ምስ ፍልስጤም ዘለዋ ርክብ ከተሐድስን ብግርጭት ንዝዓነወት ቓዛ ክትሃንጽ ከም እትደሊን ገሊጻ’ላ። ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ምስ መራሒ ናይቲ ኣብ ትሕዝቶ እስራኤል ዝርከብ ምዕራባዊ ገማግም ድሕሪ ምርኻቡ እዩ ነዚ ገሊጹ ዘሎ።

ብዘይካ’ዚ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል፡ ቢንያሚን ናተንያሁ፡ ኣብ የሩሳሌም ብምርኻብ፡ “ኣመሪካ ድሕነት እስራኤል ንምሕላው ዘይቅየር ተወፋይነይ ከም ዘለዋ” ገሊጹ’ሎ።

ኣብ’ዚ ወርሒ ግንቦት፡ ን 11 መዓልታት ኣብ ቓዛ ድሕሪ ዝተኻየደ ግጭት፡ ፍልስጤምን እስራኤልን፡ መብዛሕትኦም ፍልስጤማውያን ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 250 ሰባት ምሟቶም ዝዝከር እዩ።

ብኻልእ ወገን፡ ሰብመዚ ፍልስጤም፡ ኣብ ልዕሊ ንዋት ዝወረደ ዕንወት፡ ዋግኡ ብዓሰርተታት ሚልዮናት ዶላራት ከም ዝግመት ገሊጾም እኳ እንተለዉ፡ እስራኤል ግን ዛጊት ዝኾነ ዓይነት ምትሕስሳብ ከም ዘይገበረት ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com