Monday , May 20 2024
Credit: Jessica Gow/TT

ኣመሪካ ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ዘለዋ ደገፍ ገሊጻ።

ፊንላንድ ብቕድሚ ትማል ሰሉስ ቀትሪ ብዕሊ ኣባል ኔቶ እናኾነት፥ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ስቶክሆልም ናብ ሚኒስትሪ
ምክልኻል ሽወደን ምብጻሕ ምፍጻሞም ተፈሊጡ። ኣብዚ ምብጻሕ፥ ኣባላት ሰልፊታት ዴሞክራሲን ሪፓብሊክን ዝተሳተፉ
ኮይኖም፡ ዕላማ እቲ ምብጻሕ ኣመሪካ ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ዘለዋ ደገፍ ንምግላጽ እዩ ኔሩ ተባሂሉ’ሎ። እቶም ኣባላት
ኮንግረስ ሽወደን ምስ ቱርክ ዝኣተወቶ ውዕል ክትፍጽም ከም ዝግብኣ ገሊጾም ኣለዉ።
“ኣብ ቱርክ ባህርያዊ ሓደጋ ኣብ ዝተኸስተሉ እዋን፥ ሽወደን ንግዳያት ሰብኣዊ ሓገዛት ብምቕራብ ካብ ዝግባኣ ንላዕሊ ጌራ እያ።
ኣብ ዩክሬናውያን ዝገበረቶ ሓገዝ እውን ኣዝዩ ዝነኣድ እዩ። ብወገነይ ሽወደን ኔቶዝጠልቦ ኣድላዪ ቅሩብነትን ተወፋይነት ዘርኣየት
ይመስለኒ” ክብል ኣባል ሰልፊ ሪፓብሊካን ሳም ግሬይቭ ኣብቲ ርክብ ገሊጹ።
ሚኒስተር ምክልኻል ሽወደን ፖል ዮሃንሰን ብወገኑ ኣመሪካ ንሽወደን ንእትገብረላ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ሓገዝ ኣልዒሉ
ምስጋናኡ ኣቕሪቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com