Sunday , May 19 2024

ኣመሪካ: ኣብ ትግራይ ምጽናት ዓሌት ይካየድ ምህላዉ ትገልጽ

ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ: ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ግፍዒ፡ ዓለም ለኻዊ መርመራ ክካየደሉን፡ ሰራዊት ኤርትራ ክወጽእን ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ኣብ ክልል ትግራይ፡ ምጽናት ዓሌት፡ ይካየድ ኣሎ ዝበለ ብሊንከን፡ ብዛዕባ እዚ ጒዳይ መን ሓላፍነት ከም ዝወስድ ምሉእ ምጽራይ ክግበርን ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ካብ መሬት ትግራይ ክወጹ ጸዊዑ ኣሎ። ንሱ ትማሊ ረቡዕ ንባይቶ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ህዝቢ፡ ግፍዒን ከምቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ዓይነት ምጽናት ዓሌትን ዘየፈጽም ናይ ጸጥታ ሓይሊ ክዋፈር ድሌት ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ኣብ ትግራይ፡ ምጽናት ዓሌትን ግፍዕታትን ይፍጸሙ ምህላዎም ተኣማኒ ሓበሬታታት ምህላዎም ድሕሪ ምስማር፡ ኣብታ ሃገር፡ ፖለቲካዊ ናይ ዕርቂ መስርሕ ክካየድ ከም ዝግባእ ገሊጹ።

ኣብ መሬት ትግራይ፡ ናይ ኣምሓራን ኤርትራን ሰራዊት ክሳብ ሕጂ ኣለዉ፥ እዚኦም ድማ ብቐጥታ ክወጹ እዩ ዘለዎም” ኢሉ። ሰራዊት ኤርትራን ሚሊሻ ኣምሓራን ኣብ ክልል ትግራይ ከምኒ ጃምላዊ ቅትለትን ምድፋር ደቀንስትዮን ካልእ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ምፍጻሞም ብተደጋጋሚ እኳ እንተተገልጸ፡ ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣይኣተኹን ብምባል ነቲ ክሲ ከም እትነጽጎ ዝፍለጥ እዩ።

ዋና ጸሓፊት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሚሸል ባሽሌት፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኣብ ትግራይ፡ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ኣሎ ምባላ ዝዝከር ኮይኑ፥ ሰብመዚ ሰብኣዊ ኲነታት ድማ ብዙሓት ሰባት ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ጥሜት ናብ ሓደጋ ሞት ተቓሊዖም ኣለዉ ክብሉ ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ።

ሰዓታት ቅድሚ መግለጺ ብሊንከን፡ ዋና ልኡኽ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ዋሺንተን ዲሲ፡ ብርሃነ ኪዳነማርያም፡ ኣብይ ንኢትዮጵያ ናብ ዕግርግርን ምብትታንን እዩ ዝመርሓ ዘሎ ብምባል ስልጣኑ ብፍቓዱ ለቒቑ ኣሎ። ንሱ፡ ሃገረይ ምግልጋል ባህ ዝብለኒ ሰብ እኳ እንተኾንኩ ብዋጋ ዝቖመሉ ክብሪታትን ስነምግባርን ነዚ ክገብር ፍቓደኛ ኣይኮንኩን” ብምባል ነቲ ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ምጽናት ዓሌት ተቓዊሙ ስልጣኑ ሓዲጉ’ሎ።

ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኣብይ፡ ገዚፍ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይፍጽም ምህላዉን ህላዌ ሰራዊት ኤርትራ ምኽሓዱን ኣመልኪቱ። ምልቃቕ ስልጣን ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣብ መንግስቲ ኣብይ ተወሳኺ ጸቕጢ ንኽግበር ተወሳኺ ምኽንያት ክኸውን ከም ዝኽእል ኣልጀዚራ ሓቢራ’ላ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባዚ ዛጊት ምንም መልሲ ኣይሃበን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com