Sunday , May 19 2024

ኣመሪካ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ምግሃስ ሰብኣዊነት ብናጻ ኣካል ክጻረ ጸዊዓ

ዋይት ሃውስ፡ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ዘስካሕክሕ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ምሉእ ምጽራይ ዘካይድ ናጻ ኣካል ክኣቱ ከም እትደሊ ገሊጻ’ላ። በቲ ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ ህወሓትን ሓይልታት ፈደራልን ዝተኻየደ ኲናት ብሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ኣብ ከተማታት ኣክሱምን ማርያም ደንገላትን ካልኦትን ሓያሎ ጃምላዊ ቅትለትን ገዚፍ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ከም እተፈጸመ፡ በዚ ድማ ብውሕዱ 3 ሚልዮን ተጋሩ ናብ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ተቓሊዖም ምህላዎም እዩ ዝግለጽ።

ዋና ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ትማሊ ኣብ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ምጽናት ዓሌት ይካየድ ምህላዉ ዘተኣማምን ጭብጢታት ምህላዉ ድሕሪ ምምልካት፡ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ካብቲ ዝሓዝዎ መሬት ትግራይ ጠቕሊሎም ክወጹ ጸዊዑ’ሎ።

ኣብ ትግራይ፡ መጠነ ሰፊሕ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ምፍጻሞም ዝጠቐሰት ሓላፊት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሚሸል ባሽለት፡ ብፍላይ ጾታዊ ዓመጽ ደቀንስትዮ፡ ብሰፊሕ ይረአ ምህላዉን እቲ ኣብ ትግራይ እተፈጥረ ናይ ጥሜት ሓደጋ ኮነ ኢልካ ንፖለቲካዊ ዕላማ ዝተፈጥረ ምዃኑን ኣመልኪታ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com