Sunday , May 19 2024

ኣመሪካ ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ከም ዘሻቐላ ገሊጻ

ኣመሪካ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ጨፍጫፍ ንጹሃን ሲቪላውያን ብትሪ ድሕሪ ምዂናን ኣፍሪቃዊ ሕብረት ነቲ እናኸፍአ ዝመጸ ኲነታት ኣብ ምፍታሕ ክሕግዝ ጻውዒት ጌራ’ላ። ኣብዚ ሰሙን፡ ኣህጉራዊ ውድብ ተጣባቒ መሰል ደቂ ሰባት፡ ኣብ ትግራይ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከም ዝተፈጸመ ዝገልጽ ጸብጻብ ምውጽኡ ዝዝከር እዩ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ትግራይ፡ ኣማኢት ሰባት ከምዝተቐትሉን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ከኣ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ከምዘለዉ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ግርጭት ኣብ 4 ሕዳር 2020፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ግዝኣተ ሕጊ ንምኽባር ብዝብል ኣንጻር ክልል ትግራይ ኲናት ድሕሪ ምኽፋቱ ከም እተወልዐ ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወጸ ጸብጻብ፡ ኣህጉራዊ ውድብ ተጣባቒ መሰል ደቂ ሰባት፡ ሰራዊት ጐረቤት ሃገር ኤርትራ ኣብ ሕዳር 28 ን 29 ኣማኢት ንጹሃን ሲቪላውያን ምቕታሉን እዚ ድማ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ክኸውን ከም ዝኽእልን ክብል ከምዝገለጾ ይዝከር። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣብይ ኣሕመድ፡ ብ30 ሕዳር ን ባይቶ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ ኣብቲ ንሱ “ሕጊ ምኽባር” ኢሉ ዝሰመዮ ስርሒት ሓደ’ውን ይኹን ሲቪል ኣይተቐትለን ኢሉ ኔሩ። እንተኾነ ግን፡ ኣብታ መዓልቲ ብሰራዊት ኤርትራ እተቐትሉ ብዙሓት ሬሳታት ሲቪላውያን ተጋሩ ምቕባሮም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም ኣለዉ። መብዛሕትኦም ካብዞም መወትቲ፡ መንእሰያት ኣወዳትን ሰብኡትን ምዃኖም ዝገለጸ ጸብጻብ ኣህጉራዊ ውድብ ተጣባቒ መሰል ደቂ ሰባት፡ ኣብ መርመራይ ናይ ሳተላይት ሓበሬታ ተጠቒመ እየ ኢሉ’ሎ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ኣብ ከባቢ ቀጽሪ ክልተ ኣብ ከተማ ኣክሱም ዝርከባ ኣብያተ ክርስትያናት ከም ዝተዃዕተ ምልክት ዘለዎ መሬት ካብ ናይ ሳተላይት ምስሊ ረኺቡ’ሎ። ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ን ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ሬሳታት ከይተቐበሩ ኣብ ጎደናታት ኣክሱም ንመዓልታት ምጽንሖምን ብዙሓት ብኣዛብእ ከም እተበልዑን ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com