Saturday , May 18 2024

ኣሜሪካውያን መንእሰያት፡ ኣብ ዝቕጽል ክልተ ሳምንታት፡ ክታበት ኮቪድ-19 ክኽተቡ እዩም

ኣብ ዕለት 1 ግንቦት 2021፡ ኩሎም ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣሜሪካውያን መንእሰያት፡ ክታበት ኮቪድ-19 ንኽኽተቡ፡ ብመንግስቲ ኣሜሪካ መደብ ተታሒዙ ከምዝነበረ ይዝከር። ይኹን እምበር፡ እቲ ዝተታሕዘ መደብ፡ ክልተ ሳምንታት ብምቕዳም፡ ኣብ ዕለት 19 ሚያዝያ 2021፡ ክዛዘም ከምዝኽእል፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ካብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ሓቢሩ።

እቶም ቀዳምነታት ተዋሂብዎም ዝነበረ ከም ሽማግለታት፡ ሕሙማትን ሰራሕተኛታት ጥዕናን ዝኣመሰሉ ክፋላት ሕብረተሰብና፡ ክታበት ኮቪድ-19 ስለዝወሰዱ፡ እቲ ናይ ቀዳምነታት ዝብል ኣተሓሳስባ፡ ግዚኡ ዝሓለፈ ኮይኑ ኣሎ ክብል፡ ባይደን፡ ገሊጹ።

ክሳብ ሕጂ፡ ሓደ ሕምሲት (1/5) ካብ ህዝቢ ኣሜሪካ፡ ማለት 62 ሚልዮን ሰባት፡ ክልተ እብረ ክታበት ዝረኸቡ ኮይኖም፡ ኣሜሪካ፡ እታ ቀዳመይቲ፡ 150 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ዝኸተበት ሃገር ኮይና ምህላዋ፡ ባይደን፡ ኣዘኻኺሩ።

እዚ ናይ ቀዳምነታት ዝብል ኣተሓሳስባ፡ ግዚኡ ዝሓለፈ ኮይኑ ኣሎ፡ ክንብል እንከለና፡ ኩሎም ኣሜሪካውያን ክሳብ ዕለት 19 ሚያዝያ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ክኽተቡ እዮም ማለትና ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሎጂስቲካዊ ዝርጋሐ ናይ ክታበት ኣብ ግምት ክኣቱ ስለዘለዎ፡ መስርሕ ክታበት፡ ንገለ እዋናት ድሕሪ’ቲ ዕለት፡ ክጸንሕ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ ክብል፡ ዘረብኡ ዛዚሙ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com