Friday , May 17 2024
Leo Hahn, 11, gets the first shot of the Pfizer COVID-19 vaccine, at the University of Washington Medical Center in Seattle. (AP Photo/Ted S. Warren) WATW119

ኣሜሪካ . . . 1 ሚልዮን ህጻናት፡ ተኸቲቦም

ኣብ ክሊ ዕድመ 5 ክሳብ 11 ዓመት ዝርከቡ ኣስታት 1 ሚልዮን ዝኾኑ ኣሜሪካውያን፡ ጸረ ሕማም ኮቪድ-19፡ ቀዳማይ እብረ ክታበት ከምዝተኸትቡ፡ ዋይት ሃውስ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ፡ ሰብ መዚ ጥዕና ኣሜሪካ፡ ነዞም ኣብዚ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ህጻናት ዝኸውን፡ ክታበት ፋይዘር-ቢዮንቴክ፡ ኣፍቂዶም ምንባሮም ዝዝከር ኮይኑ፡ ክታበት ዝጀመረሉ እዋን ድማ፡ ረቡዕ፡ ዕለት 4 ጥቅምቲ ምንባሩ፡ ጸብጻባት እቲ በዓል መዚ ገሊጾም።

ኣብ ዝቕጽል መዓልታት፡ ኣስታት 700 ሽሕ ህጻናት፡ ቀዳማይ እብረ ክታበቶም፡ ክኽተቡ ትጽቢት ተገይሩ ከምዘሎ ይግለጽ።

መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ኣንጻር እቲ ብዛዕባ ክታበት ኮቪድ-19 ዝዝረብ ግጉይ ሓበሬታ ንምቅላስ፡ ቤት ትምህርታት፡ ምስ ዝምልከቶም ክኢላታት ኮይነን፡ ቅኑዕ ሓበሬታ ከመሓላልፋ የትባብዐን ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብታ 330 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ፡ ኣሜሪካ፡ ለበዳ ኮቪድ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ 750 ሽሕ ሰባት፡ ብሰንኪ እቲ ሕማም ዘስዓቦ ጥዕናዊ ሕልኽላኻት፡ ካብዛ ዓለም ብሞት ከምዝተፈልዩ፡ ጸብጻባት ጥዕና እታ ሃገር ይሕብሩ።

ብዝሒ ናይቶም ኣብዚ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ህጻናት ኣሜሪካ፡ 28 ሚልዮን፡ ከምዝበጽሕ ጸብጻባት ይሕብሩ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com