Sunday , May 19 2024

ኣባል ሰልፊ ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ጀማል ኤል-ሓጅ ካብቲ ሰልፊ ወጺኡ

Credit: Jessica Gow/TT

ተኣማንነት መራሒት ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ማግዳሌና ኣንደርሰን ብምስኣኑ ኣብ ፓርላማ ዝነበሮ መንበር ክገድፍ ዝተሓተተ ኣባል እቲ ሰልፊ ጀማል ኤል-ሓጅ፡ ካብቲ ሰልፊ ብዕሊ ምስንባቱ ተፈሊጡ። ይዂንምበር ከም ነጻ ኣባል ባይቶ ኣብ ፓርላማ ክጸንሕ እዩ። ኤል-ሓጅ ንሓደ ዓቃባዊ ግብጻዊ ኢማም ዕቚባ ንኽረክብ ጸቕጢ ከሕድር ፈቲኑ ተባሂሉ ኣብ ጋዜጣ ኤክስፕረሰን ጸብጻብ ድሕሪ ምቕራቡ ኣብቲ ሰልፊ ዝጸንሖ ተኣማንነት ምጥፍኡ እዩ ዝግለጽ። መራሒት እቲ ሰልፊ ኣብ ፓርላማ ሽወደን ሌና ሃሌንግረን፡ ኤል-ሓጅ መንበሩ ንዘይምልቃቕ ክገብሮ ዝጸንሐ ምክልኻል “ተቐባልነት ዘይብሉ” ምንባሩ፡ ካብ ረብሓ ናይቲ ሰልፊ ንላዕሊ ንረብሓኡ የቐድም ከምዘሎን ብምልዓል ኣብኡ ዘለዋ ቅረታ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com