Saturday , May 18 2024

ኣብታ እትነብረላ ሓዳስ ሃገር፣ ወላዲ ምዃን

ናብ ሓንቲ ሓዳስ ሃገር ምምጻእ፡ ንበጽሕታትን ቆልዑን ዓቢ ለውጢ የኸትል እዩ። ገለ ገለ እዋን፡ ቆልዑ ካብ ኣባጽሕ ንላዕሊ፡ ኣብ ሓድሽ ሕብረተሰብ ብቐሊሉ ይጽምበሩ። ስለዝኾነ ኸኣ፡ እቶም ኣባጽሕ፣ ምስቲ ሕብረተሰብ ንኽራኸቡ ኣብ ደቆም ይምርኮሱ። እዚ ኸኣ፣ ኣብቲ ስድራቤት፣ ምቅይያራት ናይ ተራ ከስዕብን ንቖልዑ ኸኣ ከቢድ ሓላፍነት ከሰክሞምን ይኽእል። ወለዲ፣ ምስ መውዓሊ ህጻናት፡ ቤት ትምህርቲ፡ መንግስታዊ ትካላት ወይ’ውን ሕክምና፣ ኣብ ዝራኸቡሉ እዋን፡ ንደቆም ከም ተርጎምቲ ክጥቆሙሎም የብሎምን።

ስለዝኾነ ኸኣ፡ ወለዲ ብዛዕባ’ቲ ተጸምቢረሞ ዘለዉ ሕብረተሰብ ሓበሬታ ክረኽቡ ኣለዎም። ብዘይካ’ዚ፣ እቲ ደቆም ተጸምቢረሞ ዘለዉ ሓድሽ ኩነታት’ውን፣ ኣካሎም ምዃኑ ክፈልጡ ይግባእ። እዚ ምስ ዝገብሩ ኸኣ፡ ጽኑዓትን ንጹራትን ኮይኖም፣ ንደቆም፣ ርጉእ ሃዋሁው ክፈጥሩ ይበቕዑ። ወለዲ፡ ንባህልን ልምድን ናይቲ ሓድሽ ሕብረተሰብ መረዳእታ ምስ ዘሕድሩን፡ ምስ ባህሎምን መንነቶምን ዝመሳሰልን ዝፈላለን ነገራት ክላለዩ ምስ ዝኽእሉ፡ ደቆም ርጉእ ህይወት ክህሉዎም ይኽእል። ብዙሓት ጉባዝያታት፣ ነብሶም ካብ ወለዶም ናጻ ክገብሩዋ ይጅምሩ። ኩሉ ባዕላቶም ክገብሩዎ ክጅምሩ ይደልዩ። ነቲ ናይ በጽሒ ህይወት ድማ ይዳለዉሉ። ኣብዚ ናይ ዕቤት መገሻ’ዚ፣ ወለዲ፣ ንውላዶም ክሕግዙዎ ይግባእ። ንውላድኩም ደረት ክትገብሩሉ ክትፍትኑ ከለኹም፣ ሚዛናውነት ይሃልኹም። እቲ ውላድ ድማ፣ ኣብታ ሓዳስ ሃገር ከመይ ኢሉ ክዓቢ ከም ዘለዎ ክፈልጥ ይግባእ።

ንቖልዑ ምዕማጽ ክልኩል እዩ።

ኣብ ሕጊ ሽወደን፡ ‘ሕገ-ወለዲ (föräldrabalken)’ ዝብሃል ምዕራፍ ኣሎ። ብመሰረት ሕገ-ወለዲ፡ ቆልዑ፡ ናይ ሕክምናን ክንክንን፡ ናይ ቅሳነትን ግቡእ ኣተዓባብያን መሰል ኣሎዎም። ገለ ክፋል ናይዚ ሕጊ’ዚ፡ ‘ሕገ ጸረ-ማህረምቲ (anti-agalagen)’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ፡ ኣብ ሽወደን፣ ካብ 1979 ዓ.ም. ኣትሒዙ ዝጸንሐን ዘሎን ሕጊ’ዩ። ‘ኣጋ’ ዝብል ቃል ጥንታዊ ናይ ሽወደን ቃል ኮይኑ፡ ትርጉሙ ኸኣ፡ “ክትእርም ኢልካ ውላድካ ምቕጻዕ” ማለት እዩ። ላህመት ናይዚ ሕጊ’ዚ፡ ‘ኣንጻር ቆልዑ፣ ኣካላዊ ወይ’ውን ሰነ ኣእምሮኣዊ ዓመጽ ምጥቃም ክልኩል’ዩ’ ዝብል እዩ። ኣካላዊ ጎንጺ፡ ኣብ ኣካል ዝወርድ ኲሉ ዓይነት ጎንጽታት የጠቓልል። ፈኲስ ማህረምቲ፡ ጸጒሪ ምምንጫጭ ወይ ምቕንጣው’ውን ከይተረፈ ምስ ኣካላዊ ዓመጽ’ዩ ዝቑጸር።

ንቖልዑ ካብ ሓደጋ ከተድሕን: ንኣብነት ካብ ርሱን እቶን፡ ካብ ክፉት መስኮት ወይ ካልእ ንቖልዑ ክጎድእ ዝኽእል ነገር ክትኣልዮም ኢልካ ምንዝዕ ኣቢልካ ክትስሕቦም ትኽእል ኢኻ።

ስነ ኣእምሮኣዊ ዓመጽ ማለት ከኣ፣ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝወርድ ኲሉ ዓይነት ምፍርራሕ፡ ምጒብዕባዕ፡ ምቁጽጻር ወይ ምዕጻው ማለት’ዩ። ስነ ኣእምሮኣዊ ዓመጽ፣ ልክዕ ከም ኣካላዊ ዓመጽ፡ ናይቲ ቆልዓ ርእሰ ክብርን ምዕባለን ክጎድኦ ይኽእል’ዩ።

ኣብ ሽወደን፣ ኣብ ኣተዓባብያ ቆልዑ ዘሎ ኣረኣእያ፡

ንዝበዝሑ ወለዲ፡ ፍቕሪ ውላድ፣ እቲ ኣውራ ዘገድስ ነገር’ዩ። ኲላቶም ቆልዑ፡ ወለድን ኣባጽሕን ክህልውዎም ኣድላዪ እዩ። እቶም ዝኣኸሉ፡ ንቖልዑ፡ መምርሕን፡ መተባብዕን ክህቡዎምን ከፍቅሩዎምን ኣለዎም። ኣባጽሕ ንቖልዑ፡ ደረት’ውን ክገብሩሎም ኣለዎም። ንሓደ ቖልዓ፡ ኣተዓባብያኡ፣ ኣብ ርእሰ ተኣማንነቱን ኣብ ርእሰ ክብሩን፣ ዓቢ ኣገዳስነት ኣሎዎ። ዘተኣማምን መዕበያ ዘሎዎም ቆልዑ፡ ትምህርቲ፡ ቅልል ይብለሎም፡ ምስ ዓበዩ’ውን ኣብ ናብራ ኣይጽገሙን።

ኣብ ሽወደን፣ ኣብ ኣተዓባብያ ቆልዑ ዘሎ ኣረኣእያ፣ ኣብ ውሽጢ’ዚ 100 ዓመታት፣ ለውጢ ኣርእዩ’ዩ። ኣብ መጀመርታ 20 ክፍለ ዘመን፣ ወለዲ ሕይል ዝበሉን ደቆም ክእዘዙዎም ዝደልዩን እዮም ነይሮም። ኣካላዊ መቕጻዕቲ ማለት ‘ኣጋ’ ድማ፡ ብብዙሓት፣ ከም ኣካል ናይ ጽቡቕ መዕበያ ኮይኑ ይረአ ነይሩ።

ኣብ 1950ታት ከምኡ’ውን ኣብ1960ታት፡ እዚ ዓይነት ኣረኣእያታት’ዚ ክብዳህ ጀሚሩ። ብዙሓት፡ ኣብ ኣተዓባብያ ቆልዑ ዘሎዎም ኣረኣእያታት ክልውጡዎ ጀሚሮም። ብዛዕባ ክብሪ ዝሓዘለ ናይ ህጻናት ኣተዓባብያ ክዝረብ ጀሚሩ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ንውላድካ ክትእርሞ ኢልካ ምህራም ኣይተረፈን ነይሩ።

ምንጪ: information om sverige


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com