Saturday , May 18 2024

ኣብዚ ሰሙን’ዚ ዛሕሊ ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ከምዝህሉ ክኢላታት ይእምቱ!!

ጸብጻባት ማእከል ሜትሮሎጂ ሽወደን ከምዝሕብርዎ ውርጪ ዝተሓወሶ ዝሑል ኩነታት ኣየር ካብ እምባታት ዝዓብለሎም ሰሜናዊ ክፋል’ታ ሃገር ናብ ዝበዝሑ ማእከላይን ደቡባውን ክፋል’ታ ሃገር ከም ዝነፍሱ ይሕብሩ። ዝሓለፈ ሰንበት ምሸት ኣብ ከባቢ Norrbotten ዝርከብ Jukkasjarvi ዝበሃል ቦታ ናይ 14 ሴሜ ውርጪ ከም ዝተኣከበ ጸብጻብ’ቲ ማእከል ብተወሳኺ ሓቢሩ። ማእከል ሜትሮሎጂ ሽወደን ነቲ ብሰንበት ምሸት ዝተራእየ ምኹማር ናይ ውርጪ ከም ቀዳማይ ደረጃ መጠንቀቕታ ናይቲ ኣብ Norrbotten, ከጋጥም ከም ዝኽእል ዝእመተሉ ናይ ውርጪ ማዕበል ገይሩ ወሲድዎ ኣሎ።

ናይ ሰኑይ ኩነታት ኣየር ከም ዝእምቶ ድማ፡ ኣብ ዝበዝሑ ሰሜናዊ ክፋላት ብፍላይ ኣብ እምባታት ውርጪ ዝዓብለሎ ኩነታት፡ ኣብ ምእከላይን ደቡባዊ ክፋላት ድማ ዝናብ ክህሉ ከም ዝኽእል ኣብቲ ማእከል ዝሰርሕ ማርኮስ ጃስቴድት ዝተባህለ ክኢላ ሜትሮሎጂ ሓቢሩ። እንተኾነ ኣብ ገለ ደቡባዊ ክፋላት ሙቐት’ቲ ከባቢ ክሳብ 15 ድግሪ ሴንትግሬድ ክበጽሕ ከምዝኽእል ይእመት። እቲ ማእከል ንናይ ሰሉስ ኩነታት ኣየር ኣመልኪቱ ክእምት እንከሎ፡ ኣብ Norland ዝተባህለ ኣከባቢ ውርጪ ዝዓብለሎ ኩነታት ከምዝህሉን ካብ ሎሚ ጀሚሩ ድማ ሙቐት’ቲ ከባቢ እናዘሓለ ንመላእ ሰሙን ክቕጽል ከምዝኽእልን ይንገር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com