Friday , May 17 2024

ኣብዚ ሳመር ካብ ዝቦቚሉ መርዛማት ቃንጥሻ ክጥንቀቑ መተሓሳሰቢ ቀሪቡ።

እዚ ወቕቲ ኣብ ሽወደን ቃንጥሻ ዝቦቚለሉን ሰባት ክንዲ ዝደልዩዎ ቃንጥሻ ካብ ጫካ ዝምእርሩሉ ግዜ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሰባት ካብ መርዛማት ቃንጥሻ ክጥንቀቑ ጻውዒት ቀሪቡ። ዓመት መጸ ካብ 1000-2000 ዝኣኽሉ ሰባት፡ መርዛማት ቃንጥሻ ብምብላዕ ከም ዝሓሙ ማእከል ሓበሬታ መርዚታት ሽወደን ይሕብር። ሰባት ጥዑያት እናመሰሎም ነቶም መርዛማት ቃንጥሻ ከይበልዑ ክጥንቀቑ ከም ዝግባእ፡ ኣብቲ ማእከል ክኢላ ስነ-መድሃኒት ፒተር ሁልተን ወሲኹ ኣጠንቂቑ’ሎ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com