Saturday , May 18 2024

ኣብዚ ወርሒ ሕዳር ኣብ መላእ ሽወደን ተኸሲቱ ዘሎ ጸልማት ዘይልሙድ ሙኻኑ በዓል መዚ ሜትሮሎጂ ሽወደን ይገልጾ።

ኣብዚ ወርሒ ሕዳር ከምንዕዘቦ ዘለና ኣብ መላእ ሽወደን ኣብ ክንዲ ጸሓይ ዝርኣየሉ  ኣዝዩ ጸልማት እዩ ዘሎ እዚ ድማ ዘይንቡር ዝተከስተ ሙኻኑን በዓል መዚ ሜትሮሎጂ ይሕበር።

ኣብ መላእ ሽወደን ኣብዚ ወርሒ ንውሑድ ሰዓታት ትራይ ጸሓይ ከምዝነበረትን እቲ ዝወሓደ ድማ ኣብ ከባቢ ቬክስዮ (Växjö) ን ሰለስተ ሰዓታት ጥራይ ከምዝነበረን እዚ ድማ ሓድሽ ክስተት ምኻኑ ኪኢላ  እዚ ዓውዲ ሄንሪክ ሬይመር ይገልጽ።

በዚ ምሰረት ስጋብ ዝመጽእ ዘሎ ሰኑይ ብጀካ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሽወደን ኣብ ዝተረፈ ከባቢታት ከመዘሎዎ ከምዝቕጽልን ድሕሪኡ ዘሎ ምዓልታት ግና እንዳ በርሀን ዛሕሊ ዘሎዎ ኩነታት ኣየር ከምዝህሉ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com