Friday , May 17 2024
Botswana First Lady Neo Masisi (L) holds a Gem diamond while standing next to Botswana President Mokgweetsi Masisi (R) in Gaborone, Botswana, on June 16, 2021. - (Photo by Monirul Bhuiyan / AFP)

ኣብ ሃገረ ቦትስዋና፡ ሳልሳይ ዝዓበየ እምነ ኣልማዝ ተረኺቡ

ኣብ ቦትስዋና፡ ብዕቤቱ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዝተሰርዐ እምነ ኣልማዝ ከም እተረኽበ ተገሊጹ።

እዚ 1098 ካራት ዝኽብደቱ ኣልማዝ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ከም እተረኽበን፡ ፕረሲደንት ሞክግዌጺ ማሲሲ፡ ከም ዝረኣዮን ድማ ተሓቢሩ። ኣብ ቦትስዋና ብዕቤቱ ኣብ ዓለምና ብኻልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ኣልማዝ ኣብ 2015 ተረኺቡ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። “እዚ ኣልማዛ ዛጊት ኣብ ዝሓለፋ 50 ዓመታት ብኩባንያ ዴብስዋና ካብ ዝተረኽቡ እቲ ዝዓበየ እዩ” ክትብል ኣካያዲት ኲባንያ ዕደና ዴብስዋና ላይኔት ኣርምስትሮንግ ገሊጻ’ላ። “በዚ ጌርናዮ ዘሎና ኣፈናዊ ገምጋም እዚ እቲ ኣብ ዓለምና ብሳልሳይ ደረጃ ዝስራዕ ዝዓበየ ኣልማዝ ክኸውን ከም ዝኽእል፡ ኣርምስትሮንግ፡ ገሊጻ።

ቦትስዋና፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየት ኣፍራዪት ኣልማዝ ምዃና ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com