Sunday , May 19 2024

ኣብ ሃገረ ኮንጎ፡ 10 ሲቪላውያን ተቐቲሎም

ብስም ሚሊሻ ኪዳን ዲሞክራስያውያን ሓይልታት ዝፍለጥ ጉጅለ፡ ኣብ ምብራቕ ሃገረ ዲሞክራስያዊት ሪፓፕሊክ ኮንጎ፡ ብዝገበርዎ መጥቃዕቲ፡ 10 ሲቪላውያን ከም እተቐትሉ፡ እቲ ሰራዊት ትማል ሰንበት ገሊጹ። እዞም ሚሊሻታት፡ ኣብ ቦዮ ዝተባህለት ገጠር፡ ሸሞንተ ሰባት ኣብ ሰሜናዊት ኣውራጃ ኢቱሪ ኸኣ ክልተ ሰባት ከም ዝቐተሉን ወተሃደራት ሃገረ ኮንጎ፡ ነዞም ሚሊሻ ኣብ ምህዳን ተጸሚዶም ምህላዎም ድማጺ ኣሜሪካ ሓቢራ’ላ።

ብዘይካ እቲ ዝተፈጸመ ቕትለት፡ ብዙሓት መንበሪ ኣባይቲ’ውን ከም እተቓጸሉ ሰብ መዚ ውሽጢ ሃገር ኣረጋጊጾም።

ሚሊሻ ኪዳን ዲሞክራስያውያን ሓይልታት፡ ኡጋንዳውያን እስላማውያን ተዋጋእቲ ኮይኖም፡ ካብ 1995 ንደሓር ደጀኖም ኣብ ምብራቓዊ ዲ/ሪ/ኮንጎ ከም ዝገብሩ ይፍለጥ። እዞም ሚሊሻ፡ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት፡ ኣብ ከባቢታት ሰሜንን ደቡብን ኪቩ፡ 800 ሰባት ብምቕታል ከም ዝውንጀሉ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com