Saturday , May 18 2024
The "Pillar of Shame" statue, a memorial for those killed in the 1989 Tiananmen crackdown, is displayed at the University of Hong Kong, (AP Photo/Kin Cheung) XKC108

ኣብ ሆንግ ኮንግ ዝነበረ ሓወልቲ፡ ህልቂት ኣደባባይ ታያናንመን፡ ተኣልዩ

ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ሆንግ ኮንግ ዝነበረን ንዝኽሪ ህልቂት ኣደባባይ ታያናንመን ተባሂሉ ዝቖመን ሓወልቲ ትማል ረቡዕ ካብቲ ዝነበሮ ክእለ ከም እተገብረ ቢቢሲ ሓቢራ።

እቲ ሓወልቲ ኣብ 1989 ዴሞክራሲ ብምጥላቦም ኣብ ኣደባባይ ታያናንመን ብሰብ መዚ ቻይና ናይ ዝተረሸኑ ተመሃሮ መዘከርታ ኮይኑ፥ ኣብ ርእሲ ርእሲ እተደራረበ ሬሳታት እቶም ተመሃሮ ዘርኢ እዩ። ኣብ ሆንግ ኮንግ ካብ ዝነበራ ሒደት ህዝባዊ መዘክራት ሓደ ምንባሩ ዝንገረሉ እዚ ሓወልቲ ኣብ ቻይና ኣዝዮም ተኣፋፊ ንዝኾነ ዛዕባ ዝወክእ እዩ።

ምልዓል እዚ ሓወልቲ መቐጸልታ ናይቲ ቻይና ኣብ ሆንግ ኮንግ ክትገብሮ ዝጸንሐት ምጭፍላቕ ፖለቲካዊ ተቓውሞታት እዩ ክብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ ገሊጾም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com