Saturday , May 18 2024

ኣብ ልዕሊ ፓርላማ ዝነበረ ቀይድታት ኮሮና ተላዒሉ

ኣብ ልዕሊ ባይቶ ሽወደን ቆይሙ ዝነበረ ቀይድታት ኮሮና፡ ከምዝተላዕለ ፕረዚደንት ባይቶ፡ ኖርለን፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ካብ ዕለት 16 መጋቢት 2020 ጀሚሩ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ ልዕሊ ባይቶ ሽወደን (ሪክስዳግ)፡ ቀይድታት ከም ዝተገብረን፡ ኣኼባ ባይቶ ኣብ ዝካየደሉ እዋን፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምቁጽጻር ተባሂሉ እቲ ቁጽሪ ካብ 349 ናብ 55 ክጎድል፡ ብብዝሒ ድምጺ ኣባላት ባይቶ፡ ከምዝተወሰነ ይዝከር። ካብ ዕለት 14 መስከረም ጀምሩ፡ እቲ ቆይሙ ዝጸንሐ ቀይዲ፡ ክለዓል ምዃኑን፡ ቁጽሪ ኣባላት ናይቶም ኣብቲ እዋን ዝካየድ ሃገራዊ ጉባኤ ዝሳተፉ ሰባት፡ ካብ 55 ናብቲ ንቡር ቁጽሩ፡ ማለት 349፡ ክምለስ ምዃኑን ኩሎም ኣባላት ባይቶ፡ ክታበቶም ወዲኦም ክኾኑ ከምዝኽእሉን ክብል፡ ኖርለን፡ ሓቢሩ።

ድሕረ ባይታ ናይዚ ውሳኔ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ምዕባለ ናይ ኩነታት ክታበት ምርኩስ ብምግባር፡ ባይቶ ሽወደን ድማ ብጥንቁቕ ዝኾነ ኣገባብ፡ ንዝነበረ ቀይዲ ኮሮና ክልዕሎ ብምባል፡ ዝተወስደ ውሳነ ምዃኑ ክብል ፕረዚደንት ባይቶ ሽወደን፡ ኣንድርያስ ኖርለን፡ ንማዕከን ተተ ሓቢሩ።

ቀይድታት ናይ ኣፍ መኽደኒ (ማስክ) ቀይድታት፡ ኣቐድም ኣቢሎም ኣብ ወቕቲ ክራማት ከምዝተላዕሉ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን፡ ብመንገዲ ዲጂታል፡ ኣኼባታት ይካየድ ምንባሩ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com