Saturday , May 18 2024

ኣብ መቀየሪ ቦታ እውን ሰብ ተሳኢኑ…….መሲ

እዛ ዓመት ብዘይ ዝኾነ ዋንጫ ምውድኣ ተኸቲሉ፣ፕሬዝዳንት ባርሶሎና ክለብ ጆሴፕ ማርያ ባርቶሚያ ድሕሪ ቀብሪ ባርሶሎና ንደገፍቲን ክለቡን ይቕረታ ብምሕታት ክለቡ ኣብዚ ሰሙን ውሽጡ ብዝሕ ዝበሉ ስጉምትታት ከምትወስድ ገሉጹ። ድሕሪ እዚ ከቢድ ስዕረት ን ኣሰልጣኒ ኪኬ ሴቲን ዝተእክእ ኣርጀንቲናዊ ናይ ቅድም ኣሰልጣኒ ቶተንሃም ማዉሪዚዮ ፖቸቲኒሆ ክኸውን ከምዝኽእል ይውረ ኣሎ።

መሲ ብወገኑ ኣብታሪኹ ውድቀት ባርሳ ክርኢ ከምዘየደሊን እቲ ኣቀዲሙ ክዛረቦ ዝጸንሔት ውሽጣዊ ኩነታት እዛ ጋንታ ከምዝበስበሰን ዘይጸሪ እንተ ኾይኑ መጻኢኡ ዳግመ ግምት ክገብረሉ ሙኻኑ ን ኣካይድ’ቲ እዛ ጋንታ ሓቢሩ። መሲ ወሲኹ እቲ ዘሕዚን ኣብ ተቐያሪ ወንበር ንጸወታ ዝቕይርስ ይትረፍ ዘብሪ ዘይብላ ጋንታ ኮይና ታሪፋ ክብል ምረቱ ገሊጹ።

ድሕሪ እዚ ፍጻሜ ድሕሪ 2005 መሲ ወይ ክርስትያኖ ዘይብሉ ፍርቂ ፍጻሜ ቻምፒዮን ሊግ ይካየድ፣


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com