Friday , May 17 2024

ኣብ መትረብ ስዌዝ፡ ተሸኺላ ዝነበረት መርከብ ተላቒቓ

ካብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣትሒዛ ኣብ መትረብ ስዌዝ ተሸኺላ ዝነበረት ኣዝያ ዓባይ መርከብ ኤቨርግሪን፡ ካብቲ ተሸኺላቶ ዝነበረት፡ ዳግማይ ከተንሳፍፍ ከም እተገብረ ቢቢሲ ሓቢራ።

እታ መርከብ፡ ኣፍንጫኣ ናብ ገማግም እቲ መትረብ ገጹ እናምርሐ ከም እተራእየት፡ ሎሚ ሰኑይ ብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን እተፈነዉ ስእሊታት ኣመልኪቶም ኣለዉ። እዛ መርከብ፡ ካብቲ ታኼላ ሓራ ምውጽኣ፡ ኩባንያ ኣገልግሎት ማያት ኢንችኬፕ እውን ገሊጹ ኣሎ።

ነዛ መርከብ ዳግማይ ከተንሳፍፍ ንምግባር፡ ብርክት ዝበላ ጀላቡን ኰዓትቲ ማሺናትን ተዋፊረን ምጽንሐን ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com