Friday , May 17 2024
People thought to be migrants who made the crossing from France are brought into port after being picked up in the Channel by a British border force vessel in Dover, south east England (AP Photo/Matt Dunham) LMD105

ኣብ መትረብ እንግሊዝ፡ 100 ሰባት፡ ዲሒኖም

ካብ ፈረንሳይ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብመንገዲ መትረብ እንግሊዝ ኣቢሎም፡ ብሰለስተ ናእሽቱ ጀላቡ ተጻዒኖም ክሰግሩ ዝፍትኑ ካብ ዝነበሩ 102 ስደተኛታት፡ ጀላብኦም ብማዕበል ተገፊዐን ናብ ደቡብ ገጸን የምራሓ ኣብ ዝነበራሉ እዋን፡ ብፈረንሳዊ መድሕን ባሕሪ፡ ክድሕኑ ከምዝኸኣሉን፡ ኩሎም ድማ ናብ ፖሊስ ሓለዋ ዶባት ፈረንሳይ ከም እተረከቡ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ ቁጽሪ ናይቶም ብመንገዲ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክኣትዉ ዝፈተኑ ስደተኛታት፡ ልዑል ምንባሩ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ ክሳብ 31 ሓምለ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ሰብ መዚ ፈረንሳ፡ 12 ሽሕ ፈተነታት ከምዘመዝገቡ ክገልጹ እንከለዉ፡ ምስቲ ኣብ ዓመተ 2020 ዝነበረ ቁጽሪ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብሰለስተ ዕጽፊ ከምዝዓበየ ኣረዲኦም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com