Sunday , May 19 2024

ኣብ መንጎ ሰልፍታት፡ ሞደራታ ሳምሊንስፓርቲየትን ስቬርያ ዲሞክራትናን፡ ዓቢ ውድዳር ይካየድ ኣሎ ተባሂሉ

ካልኣይ ዝዓበየ ሰልፊ ሽወደን ንምዃን፡ ኣብ መንጎ ሰልፍታት፡ ሞደራታ ሳምሊንስፓርቲየትን ስቬርያ ዲሞክራትናን፡ ዓቢ ምውድዳር ይረአ ምህላዉ SVT ሓቢሩ።

ብመሰረት ዳህሳስ ኩባንያ ኖቮስ፡ ሰልፊ ስቬርያ ሶሻልደሞክራቲስካ ኣርበታርፓርቲ ( S ) ብ27% ኣብ ቅድሚት ክስራዕ እንከሎ፡ ሞደራታ ሳምሊንስፓርቲየትን ( M ) ብ21.2%፡ ስቬርያ ዲሞክራትና ( SD ) ብ19.6%፡ ሰንተርፓርቲየት ( C )  ብ7.8%፡ ክሪስዲሞክራተርና ( KD ) ብ5.7%፡ ሚልዮፓርቲየት ( MP ) ብ4.3%፡ ሊበራለማ (L) ብ3.2% ካብ ድምጽታት ከምዝውንኑ ይፍለጥ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ካልኣይ ዝዓበየ ሰልፊ ኣየናይ ምዃኑ ኣይተፈልጠን። ሰልፍታት ሚልዮፓርቲየትን ሊበራለማን፡ ናብ ፖርላማ ዘእትወን ብዝሒ ድምጺ ኣብ ምእካብ ኣብ ዝርከባሉ እዋን፡ ሰልፊ ሶሻልደሞክራቲስካ፡ ድምጺ ኣባላቱ ይኸስር ኣሎ  ክብል ጠቕላሊ ሓላፊ ኖቮስ፡ ቶርብዮሪን ኾስትሮም፡ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com