Friday , May 17 2024

ኣብ መንጎ ሰራሕተኛታት ናይ 5 ኣብያተ ትምህርቲ ምምሕዳር ከተማ ኦፕሳላ፡ ለበዳ ኮሮና ተራእዩ

ሓሙሽተ ሓፈሻዊ ኣብያተ ትምህርቲ ምምሕዳር ከተማ ኦፕሳላ፡ ብሰንኪ ዘጋጠመን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ብሕጽረት ሰራሕተኛታት ይሳቐያ ምህላወን ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ኤሪክስበሪስኮላን (Eriksbergsskolan) ሓንቲ ካብተን በዚ ለበዳ ዝተጠቕዓ ኮይና፡ ብውሕዱ ሓደ ሲሶ ካብ ሰራሕተኛታታ ብኮሮና ተለኺፎም ካብ ስራሕ ኣብኲሮም ከምዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ።

ናብ ስርሐይ ክኸይድ እንከለኹ፡ ህይወተይ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዘለኹ እዩ ዝመስለኒ፡ ብጣዕሚ ዘርዕድ ኩነታት እዩ! ክብል ቶማስ ዘንድሮ ዝተባህለ መምህር ገሊጹ።

ብኻልእ መዳይ፡ ብበዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ዝወጸ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ መማህራን ምስ ካልኦት ሞያታት ብምንጽጻር ናይ መልከፍቲ ተኽእሎኦም ዝወሓደ እዩ ከምዝበለ ይዝከር።

ትሕቲ 19 ዝዕድሜኦም ህጻናት፡ ዝወሓደ ክፋል ናይቶም ብኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ምዃኖምን ዘስግእ ምልክታት ከማዕብሉ ሳሕቲ ጥራይ ዝረአ ምዃኑን ኣማኻሪ መንግስቲ፡ ኣንድሽ  ቲግኔል፡ ኣመልኪቱ። እዚ ማለት፡ ተማሃሮን መምህራንን ናይ መባእታ ጀርጃ ትምህርቲ  ዝወሓደ መጠን ሓደጋ መልከፍቲ ኮሮና ከጋጥሞም ይኽእሉ ክብሉ ካብ  በዓልመዚ ጥዕና ዝወጹ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ቲግኒል፡ እቶም ምስ ዓበይቲ ሰባት ብብዝሒ ዝራኸቡ ኣመሓደርቲ እዘን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ዝበዝሐ ሓደጋ መልከፍቲ ከጋጥሞም ከምዝኽእል ይገልጽ።

ብዙሓት ሃገራት ዓለምና፡ መምርሒታት ኮሮና የትርራ’ኳ እንተሃለዋ፡ ኣብያተ ትምህርታተን ግን ኣይዓጸዋን ዘለዋ። እዚ ድማ ነቲ ቈልዑ ምንጪ ለበዳ ኣይኮኑን ዝብል ሓሳብ ዘረጋግጽ እዩ ክብል፡ ቲግኔል፡ ዘረብኡ ዛዚሙ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com