ኣካየድቲ ባቡር ትሕተምድሪ ስቶክሆልም SL ን MTR ን ህሉው ጽቕቅጥ መደበራት ባቡር ንምፍዋስ ሓደስቲ ብልሓታት ኣብ ምፍታን ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ። እዘን ክልተ ኲባንታያታት ሊላ ዝሕብሩ ኣጭርቕቲ ብምድላው ተጓዓዝቲ ደው ዝብሉሉ ወይ ዝኸዱሉ ቦታ ብምድላው ጽቕቅጥ ንምምሕያሽ ይፍትኑ ኣለዉ። ኣብ መደበር ባቡር ሶልና ዝርከቡ ተጓዓዝቲ ኣብዚ እዋን ሰለስተ ምልክታት ከለልዩ ይኽእሉ እዮም።
ዳይረክተር ርክባት MTR ጀሲካ ቱርንክቪስት እዚ ብልሓት ተጓዓዝቲ ብዙሕ ናይ ደውታ ግዜ ከየሕልፉ ዝገብር እዩ ኢላ ትገልጾ። መብዛሕትኦም ካብዞም 16 ሽሕ ተጓዓዝቲ መደበር ሶልና ብፍላይ ኣብ ሰዓታት ፍዳሴ ኣብተን ቀዳሞት ወይ ናይ መወዳእታ ባቡር እዮም ዝኣትዉ። እዚ ወፍሪ ብ ምትሕብባር SL ከምኡ’ውን MTR እዩ ተዳልዩ። ተጓዓዝቲ በዚ ሓድሽ ብልሓታት ሕጒሳት ምዃኖምን እቲ ሊላ ሕብሪ ብልክዕ ኣቓልቦኦም ምስሓብ ምኽኣሉን ንጋዜጣ ዓዲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ገሊጾም።